ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ:ፈተነ ዕልዋ-መንግስቲ ንዝወጠነ ጀነራል ከም ዝቐተሉ ተፈሊጡ

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም 22 /06/2019 ዝተኸስተን ዝፈሸለን ዕልዋ መንግስቲ ኢትዮጵያ: ቀንዲ ሃንዳሲኡ ከም ዝኾነ ዝእመነሉ ጀነራል ኣሳምነው ጽገ ሎሚ ሰኑይ ከም ዝተቐትለ ወሃቢ ቃል ናይ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝኾኑ ኣቶ ንጉሰ ጥላሁን ን ሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ጀነራል ኣሳምነው፣ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝነበረ ናይ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣኼባ:ብሃንደበት ተዂሲ ብምኽፋት ንናይ ክልል እምሓራ ፕረዚደንት ኣምባቸው መኮነን ከምኡ እውን ንቐንዲ ኣማኻሪኦም ኣቶ እዛዝ ዋሴ ከም ዝቐተሎም ተፈሊጡ ኣሎ። ድሕሪ ገለ ሰዓታት ናይቲ ናይ ፍጻሜ ድማ ጠቕላሊ ሓላፊ ሰራዊት ኣቶ ሰዓረ መኮነን ብ ሓላዊኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተቐተሉ ይፍለጥ።
እቲ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ምስ ካላኦት ሰዓብቱ ንኽሃድም ተሓቢኡ ዝነበረ ጀነራል ኣዳምነው ኣብ ጥቓ ባህርዳር ከም ዝተቐትለ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እቲ ጀነራል ቅድሚ ሰሙን ኣብ ፋይስቡክ:ህዝቢ ኣምሓራ ኣንጻር ኩሎም ብሄራት ክቃለሱ ብገህዲ ክዛረብ ከም ዝቐነየ ይዕለሉ። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ማእሰርቲ ምሕረት ዝተፈትሐን ብዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሓሉ ምኽንያት ድማ ብፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝነበረ ኣልጀዚራ ብተወሳኺ ትገልጽ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ድሮ ሓሙሽተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ከም ዝሞትዋ ተፈሊጡ ኣሎ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ሓላፊ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ዝኾነ ብርጋዴር ተፈራ ማሞ ንተለቭጅን እታ ሃገር ከም ዝበሎ እንተደኣ ኾይኑ፣ መብዛሕትኦም ኣብቲ ፈተነ ዕልዋ ኢድ ዝነበሮም ሰባት ከም ኣተትሕዙን ዝተኣስሩን ወን ዝተቐትሉን ዝፍለጥ እኳ እንተኾነ ገለ ገለ ካብኦም ጌና ተሓቢኦም ከም ዘለዉ ግን ኣይሕባእን።

ሰኑይ ኣብ ኢትዮጵያ መዓልቲ ሓዘን ከም ዝነበረን ባንዴራ እታ ሃገር ድማ ኣብ ፍርቂ ከም ዝወዓለን፣ ከምኡ እውን ሰራዊት ዝጸዓና መካይን ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ብብዝሒ ክረኣያ ከም ዝወዓላን። መስመር ኢንተርነት ተዓጽዩ ከም ዘሎን ይፍለጥ ኣሎ።

እታ ብ ውሽታዊ ነውጺ ኣትሕመስ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ብዓልየታዊ ግጭት በባቢ 2ን ፈረቓን ሚልዮን ህዝባ ከም እተፈናቐለ ጸብጻባት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት የብርሁ።

እዛ ካብ ኣፍሪቃ ብህቡብነታ ካልኣይቲ እትስራዕ ሃገር፣ ዕግርግራን ምርግጋኣን ኣብ ህዝቢ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዋ ኣይከሓድን።
ሰላም የስፍነላ

ሳባ ኪዳነ 24/06/ 2019

ሰነድ

Saba Kidane ተጻሕፈ-ብ:

ሓንቲ ርእይቶ

መጽሓፊ ሓሳባትኩም

ኣይትሰከፉ! ኢመይልኩም ኣብዚ ገጽ እዚ ኣይክረኣይን እዩ። Required fields are marked *