ሰብ ዳላስ + ፎዝያ= ተስፋ

ዋላ እኳ እቲ ሕቶታት ብግቡእ ኣይመለስ:እቲ ፊት ንፊት ምርኻብ ከ ናይ መን ኮይኑ! ኣብ ኣኼባ ህግደፍ: ደለይቲ ፍትሒ ብኽብሪ ኮፍ ንክብሉ ምፍቃድዶም ጥራይ ዘይኮነ ሕቶታቶም ንኸቕርቡ ዘኽእሎም ባይታ ምጥጣሕ መኣስ ኣብ ታሪኽ ኤርትራውያን ተኸሲቱ ይፈልጥ? ስለዚ ኣድናቖትና ንሰብ ውዕሎ።
እቲ ካልእ ኣገራሚ ዂነቱ ድማ እቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝነበረት ምቕራጽ ድምጺን ስእሊን ኣባላት እቲ ኣብ ቀዳም 24 /08/2019 ኣብ ዳላስ ዝተኸተ ፍጻሜ፣ብስለት ናይ ኩሎም ተሳተፍቱ፣ ማለት ናይ እቶም ኣባላት ህግደፍን ደለይቲ ፍትሒን ጎሊሑ ዝተራእየሉ ስለ ዝነበረ ‘ይመልኣልኩም’ እዩ ዘብል።

ብመሰረት ሓበሬታ ናይ’ቶም ኣብኡ ዝተሳተፉ ኣባላት ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ዳላስ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክልተ ካብኣታቶም ማለት ፍስሃየ ሓጎስን ከምኡ እውን ኢለን ዝተባህሉ ደለይቲ ፍትሒ ቃለ መተይቕ ብምግባር ከምኡ እውን ጓል ዳላስ ዝተባህለት ተሳታፊት እቲ መደብን ኣብ ፈይስቡክ ዝሃበቶ ሓበሬታ ምርኩስ ብምግባር ክንርድኦ ከም ዝኸኣልና ‘ንሕና’ ይብሉ ንሶም ኣብቲ ብ ማዕከን ሓበሬታ Fanus ዝሃብዎ ቃለ መሕተት:-

« ንሕና መጀመርያ መኸዲና ከም ኩሉሻዕ ዝግበር ኣብ ኣፍደገ እቲ መእተዊ ብምዃን ነቲ ህላዌና ምንርግጋጽን ተቓውሞና ነቲ ስርዓት ንምፍላጥን፣ ብዓቢኡ ድማ ነቲ ናይ ‘ይኣክል’ መልእኽትና ብተግባርን ብጉሉሕ ንምራኣይ ስለ ዝነበረ:ናይ ይኣክል ማልያታት ለቢስና ኢና ኬድና። ርግጽ እዩ ድምጽና ዘስምዑ ክልተ ሰለስተ ወከልቲ ጌርና ኔርና። ንኽመጽእ ዝኽእል ተጻብኦታት ጸርፊ ይኹን ጎነጽ እውን ከምኡ ከም ርዱእ ተወሲዱ ዝግባእ ቅድመ ምድላዋት ጌርና ኢና ኣብቲ ቦታ ተረኺብና። ብዘይካ ገለ ገለ ዘይእዱባት ዝኾኑ ሰባት ብፍላት ድማ ደቐንስትዮ ዝፈተነኦ ናይ ጠርባሽ ‘ ወያኔ ዓጋመ ‘ ዝብል ሓሓሊፉ በጨቕ ዝብል ዘረባታትን፣ ቅድሚ ምጅማር እቲ ኣኼባ ዝነበረ ናይ ጽዉግ ኣጣምታታት ምርኣይን ዝገጠመና ተቓውሞ ኣይነበረን።
እቲ ምሸት ፍሉይ ዝገብሮ ድማ ካልእ እዋን ዝተፈልየ ኮይኑ ረኺብናዮ ንሱ ድማ፣ እቶም ናብቲ ቦታ ዝኣተዉ ብጾትና ምስ ኣተዉስ ዘይወጹ፣ መጀመርያ ተሻቒልና፣ ደሓር ግን እንታይ ከም ዝገጦሞም ንምፍላጥን ዝወረደ ክትወርደና ብምባል በብቁሩብ ትጎጂልና ኣተና። ናብቲ ኣዳራሽ መኣተዊ ዝኸውን ድማ ሰሳላሳ ዶላር ከፊልና ኣተና።ብኸምዚ ኣገባብ ድማ ኩልና በቦታና ክንሕዝ ክኢልና። ኣብቲ ኣደራሽ ድማ መብዛሕቲኤን ኣዴታት ዝርከበኦም ሰብ ማእከላይ ዕድመ ዝተዓብለሉልን መንእሰያት ዝሰሓዎም ሰባት ጸኒሖምና ኣባላት ህግደፍ ጸኒሖምና። ንሕና እቶም ደለይቲ ፍትሒ ድማ መብዛሕትና መንእሰያት ነበርና። ቁጽርና ድማ ዳርጋ ልዕሊ ሓምሳ ስለ ዝበጽሐ፣ ነቶም ኣብቲ ኣዳራሽ ዝነበሩ ኣባህላት ህግደፍ ብርኡይ ዓብለልናዮም ነበርና በቲ ጸጋማይ ሸነኽ ናይቲ ኣዳራሽ ድማ ኮፍ በልና። እዚ ኣብ ቅድመን ከምኡ እውን ኣብ እዋን ኣኼባ ነበረ እዩ። ድሕሪኡ ክስዕስዑ ዝመጹ ገዲፍካ ማለት እዩ። ደሓር ኣብ ምውጻእና ከባቢ 120 ንኸውን ነበርና።

ብሓፈሻ እቲ ሃዋሁ ምርድዳእ ዝሰፈኖ እዩ ዝነበረ፣ ሓደ ካባና ማይ ንኽሰቲ ምስ ደለየ፣ ‘ማይ ኣሎ’ዶ ዝግዛእ’? ኢሉ ምስ ሓተተ ‘ማይ ብነጻ ተኣንጊዱ’። ገሪሙና። ሓደ ወዲ ፋኑኤል ዝተባህለ ውልቀሰብ ሰብ ንምእታውና ክቓወም እንከሎ ንሳ ድማ ‘ግደፎም ይእተዉ’ ከም ዝበለትልና እውን ድሒርና ፈሊጥና። ኣብ ውሳኔ ክበጽሑ ካባቢ ሰዓትን ፈረቓን ድማ ወሰደሎም። ኣብ ‘ሓደ ኣጋጣሚ ምናልባት ዶ ደኣ ንሕና ምህላውና ነቲ ኣኼባ ንኽስረዝ ምኽንያት ክንከውን ኮይንና?’ ዝብል ጥርጣሬ እውን ኔሩ ኣብ ገሌና። ሽዑ መጺኣ ከም ሰብና ድማ ሓፍ ኢልና ተቐቢና ኮፍ ንኽትብል ኣኽቢርያና።
ንገለ ደቓይቕ ድማ ህሉው ኩናታት ሃገር ብኸምቲ እትደልዮ መክልዕ ኣቕሪባ ወደአት። ህዝቢ ድማ ከም ኣመሉ ኣጣቕዐ፣ ንሕና ግን እቲ ኣሰልቻዊ መደረ ብምውድኡ ኢና ሩፍ ዝበልና
ከም ናይ ነገር ዕድል ኮይኑ ሕቶታት ብ ወገን ደለይቲ ፍትሕ እዩ ጀሚሩ፣ እንተተባብለ ምግናን ኣይኮነን። ኣብ መንጎ ክልተ ካብ ደገፍቲ እቲ ስርዓት ጥራይ ሕቶኦምን ርእይትኦምን ምስ ኣቕረቡ። ሰዓት ኣብ ምእካሉ እዩ ዝለ ዝተባህለ። ካብቲ ኣቐዲሙ ብ ኣቶ ኣስመሮም ብኣቶ ፍስሃየን ብኣቶ ኣስመሮምን ዝተሓተተ ሕቶታት ዘይሰንፍ ረዚን ሕቶ ብ ኣቶ ናስር ንሶፍያ ክምምላሱ ኣብ ዕንክሊል ዘእተዋ ክትምልሶ ዝተዋጠረት ሰፍ ዘይብል ሕቶታታ ኣሰከምዋ። እቲ መድረኽ ንኣና ኢሉ ዝተዋደደ ክሳብ ዝጥዕመና ተቖጻጺርናዮ።
ሽዑ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብ ወገን ደገፍቲ ህግደፍ ዝኾነት ዕድል ከይተዋህባ ንፎዝያ ሓሽም:-
‘ስለምንታይ ኢኺ ቀዳምነት ናይ ሕቶታት ነቶም ሃገራውያን ዝይትህቢ?’ (ብናታ ኣበሃህላስ ያእዪ ንኣባላት ህግደፍ ቀዳምነት ዘይተዋህበ ብዝብል ሓሳብ ምኳና እዩ) ምስ በላ ንሳ ድማ ንኹሉ ኤርትራዊ ጸባ ዘስተየ መልሲ እያ መሊሳትላ
‘ ንኣይ ኩልኹም ኩሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኢኹም’ ብምባል ድማ ሕቶታት ብማዕረ ምእንጋድ ቀጺላ ። ዕሙር ጣዕዒት ድማ ካብቲ ነቲ ኣደራሽ ነቕነቖ።

ኣኽቢራትና ክብሪ ይሃባ።ኣኼባ ምስ ተወደአ ክንረኽባ ፈቲንና። እቶም ኣባላት ህግደፍ እንዓጎጉ ምቕራብ ከሊኦምና። ግን ከኣ ንሕና እይው ኣይሓመቕናን ቅርብ ኢልና ኣድናቖትና ገሊጽናላ ምስኣ ንክሰኣል እውን ሓቲትና፣
‘ ኦ! እዚኣስ ኣይትፍቀድን እያ’ ኢላትና ብሰሓቕ ተፋንያትና።

 

 

ብሓቂ ክትከይድ እንከላ ከም ገለ ተሰሚዑና፣ ‘ምሳና ምርኻባ ሕቶታትና ምምላሳን እንታይ ሳዕቤን ኮን ከምጽኣላ ይኸውን?’ ዝብል ሓሳብ ኣብ ሓሳብና ክቦቁል ጀሚሩ ነበረ። ብሓቂ ብዘይካ ነቲ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ፍቓደኛ ምኳን እምበር፣ ዝሃበቶ ኣዕጋቢ መልሲ ኣይነበረን። ኣብ ሪስክ* ዘእትዋ መልስታት ኣይመለሰትን፣ ከምቲ ዘርኣትና ተስፋን፣ ፍቕሪን ርህራሄን ናይት ሓንቲ ፈቃር ኣደ እዩ ዝነበረ።’ እዞም ዝጠፍኡ ዘለዉ ደቕናን አረ ገሊእምሲ ደቂ ደቕና እውን እዮም!’ ዝብሉ ቓላታ ገለ ካብ ዘይርስዑና እዮመ ግን እንታይ ይፍለጥ ንሱ ጥራይ ኣብ ዓይኒ እቲ ስርዓት ከእይዋ ይኽእል እዩ።
ደሓር በቲ ሓደ ሸነኽ እውን፣ ‘እዋእ እዞም ህግደፍ-ሲ ጌግኦም ንምእራም ግዲ ይቐራረቡ ኣለዉ እሞ ግዲ ነዚ ኣጋጣሚ ክጥቐምሉ ጀሚሮም እዮም’ ዘብል ኩነታት እዩ ኔሩ።

ብሓቂ ኣብቲ ኣደራሽ ዝነበሩ ኤርትራውያን ብሓፈሻ፣ ናይ ኤርትራዊ ባህሪ ከርእዩና ኣምስዮም።ኣብ ሓደ እዋን እውን ምስ እቲ ሕቶታት ናይ ደለቲ ፍትሒ የጣቕዑ ነበሩ፣ ንዐኦም እውን ከይሰጋእናሎም ኣይተረፍናን። ኣብቲ ኣደራሽ ክንኣቱ ኣፍቂዶም። እታ ናይ ይኣኽል ማልያ ግን ምውሓጥ ከም ዝኣበየቶም ኣይሓብኡን
“እቲ ናይ ‘ይኣክል’ ማልያ ኣንጻር ውልቀሰባት ኣይኮነን፣ ስለዚ ናኣኹም ንምሕራቕ ኣይኮንና ለቢስናዮ ዘለና ረአይዎ ‘ይኣክል ንብዓት’ እዩ ዝብል ዘሎ፣ ንብዓይ ከብቕዕ ኣይትደልዩን?”ብምባል ተላዚብና።
ንሶም ድማ ኣፎም ደኣ እዩ ከምኡ ዝብል ዝነብረ እምበር ልቦም-ሲ ፍትሒ ከም ዝደሊ ኣብ ገጾም ይንበብ ነበረ። ንሕና ድማ ነቲ ኹነታት ንምህዳእ ዝከኣለና ስነስርዓት ንምግባር ጽዒርና

ቅድሚ ምውጻእና ንክልተ እዋን እታ
“ዕረፍቲ ልበይ ዋጋ ደመይ
ብሌን ዓይነይ እያ ሓዳስ ቤተይ” እትብል ደርፊ ናይ ፍሒራ ደርፊ ምስ ተፈነወት። ደለይቲ ፍትሒ ናይ ይኣክል ማልያ ለቢሶም ሳዕስዑ። ሽዑ ግን እታ ደርፊ ክትቋረጽን ከም እንወጽእን ተጌሩ። ድሕሪ ኣኼባ እቶም ተሪር ሕቶ ኣቕሪቦም ዘዋጠርዋ ኣቶ ናስር ምስ ፎዝያ ኢድ ንኢድ ተጨባበጡ። ሓያሎ ናይ ይኣክል ማልያ ዝለበሱ ሰባት ድማ ብስርዓት እናዓተበራረዩ ኣድናቖቶም ክገልጹላን ነበሩ።
። ብሓቂ ብሓቂ ክንስዕ ኣይከድናይ፣ ግን በቲ ዝነበረ ሰላማዊ ሃዋሁ ሰኺርና ኔርና እዩ ክበሃል ዝከኣል። ብልብና ድማ ዕረፍቲ ተሰመዖ!
ካብቲ ኣደራሽ ክንወጽእ እንከለና ድማ ሓቂ ድዩ ዋላስ ሕልሚ እዩ እዝ ዘምሰናዮ ኹነታት ክገርመና ጀመረ: ንመብዛሕትና።

ንሕና ንቲ ኣደራሽ ምስ ገደፍናዮ ቅድሚ ናብቲ ጓይላ ምእታኦም፣ ብዛዕባና ንኡስ ኣኼባ ኣካይዶም ኔሮም እዮም።
ንጽባሒቱ ምስቶም ኣብ ኣደራሽ ዝረኸብናዮም ሰባት ኣብቲ ዝቐጸለ ውዕዉኦ ናይ ሳዕስዒት ምሸቶም ብዛዕባና ከዕልል ከም ዘምሰየን ገሊኦም እውን ‘ብኻ ምሳና ኣምስዮም!’ ዝብሉ ኣብ መንጎኦም ከም ዝነበሩ ክንፈልት ክኢልና። ብሓቂ እቲ ናይ ኤትርራዊ ምትሕቑቛፍ ብኹሉ ዝተናፈቐ እዩ ዝመስል። እዚ ኣብ ዳላስ ተራእዩ ዘሎ ኣጋጣሚ ድማ፣ ከም ሓደ ምርሓው ኣፍደገ ን ልዝብ ተወሲዱ፣ ካልኦት እውን ክስዕብዎ ተስፋ ንገብር። ንሓባራዊ ሰላምን ሓርነትህ ንዝቢ ኤርትራ ድማ ንብዓይ ኣብቂዑ ሰሓቕ ንምትካእ እናተመነዩ፣ ኣብ ቀጻሊ ደላዪ ፍትሒ ብስምረት ክሰርሕ፣ ኩሉ ኤርትራዊ ድማ ፍልልያቱ ኣጽቢሉ ንሓንቲ ኤርትራ ክጽዕት ንላቦ»ይብሉ።

ጋዜጣ ሳብ እውን በዚ ኣጋጣሚ ነቲ ዝነበረ ኹነታት ኣድናቖታ እናገለጸት።
እቲ ምሉእ ሓበሬታ እኳ ኣብ ዩቱብ ተዘርጊሑ እንተሃለወ፣ ነቲ ዝቐረበ ሕቶታትን ዝተዋህበ መልሲን ንስለ ብጽሑፍ ናይ ምዕቓቡ ግን ኣብ ዝቕጽል ሕታማ
ብመልክዕ ጽሑፍ ምዃና ክትሕብር ባህ ይብላ ምኳኑ ክትገልጽ ትፈቱ።

ሳባ ኪዳነ
31/80/2019
ፓሪስ

ሰነድ

Saba Kidane ተጻሕፈ-ብ:

ርእይቶ ንምግዳፍ ኣይትቀደሙ

መጽሓፊ ሓሳባትኩም

ኣይትሰከፉ! ኢመይልኩም ኣብዚ ገጽ እዚ ኣይክረኣይን እዩ። Required fields are marked *