ነብስኻ ይምሓር Nipsey ነብሲ ያሆ! 

 

 

እቲ ኣብ ሞቱ፡ ምስ ዝሰፍሐ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ፈይቡክ ዝላለ ዘሎ  Nipsey Hassle፡ ብዙሕ ክበሃል ባህርያዊ እዩ።

ጋዜጣ ሳባ ድማ ኣብዚ ነቲ ብሱል ኣጸሓሕፋን ትንተናን ብቕዓትን ኣለዎ ኢላ ዝኣመነትሉ፡ ናይ መኮነን ተስፋይ፡ ደሳለ በረኸትን፡ ተመስገን ደበሳይን  ካብ ናይ ፈይስቡክ ገጻቶም ዝሰፈረ ጽሑፋት እነሀት ተአንግድ።

ሰናይ ንባብ።

********

(ተጻሕፈ ብ ተመስገ ደበሳይ ዝተጻሕፈ)

ዝኸበርኩም ኣሕዋት፡
ትማሊ ሰንበት፡ 31 መጋቢት 2019 ብ Nipsey Hussle ዝፍለጥ፡ ሓቀኛ ሽሙ ኤርሚያስ ዳዊት ኣስገዶም ዝተባህለ ኤርትራዊ-ኣሜሪካዊ ደራፋይ ኣብ ኣፍደገ ትካሉ ኣብ ከተማ ሎስ ኣንጅልስ ብጥይት ከምዝተቐትለ ማዕከናት ዜና ዓለም የጋውሕኦ ኣለዋ።

ብወገን ኤርትራውያን ድማ ዝተፈላፈለየ ርእይቶታት ኣብ ፌይስቡክ ይዉሕዝ ኣሎ። ኤርሚያስ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ ዉልቀመላኺ ኢሳያስ ብምስኣሉን ኣብ ፌስቲቫል ህግደፍ ኣብ ዋሺንግቶን ብምርካቡን፡ ኣብ ሞት’ውን እንተኾነ ሰብኣውነቱ ተቐንጢጡ፡ ብዓይኒ ፖለቲካ ተራእዩ፡ ካብ ባህሊናን ያታናን ወጻኢ ዝኾነ ርሕራሐ ዝጎደሎ ኢሰብኣዊ ዘረባታት ካብ ገለ ገለ ሰባት በጨቕ ክብል ይረኤ’ሎ።

ህይወት ሰብ ትርጉም ከምዘይብሉ ብተግባር ዝሰርሓሉ፡ እቲ ህይወት ኤርትራውያን ዘይዓጦ ስርዓት ኢሳያስ ኢዩ። ንሕና’ኸ ህይወት ሓደ መንእሰይ ክትሓልፍ እንከላ “ባዕሉ ይፈልጥ፡ ደይ ህግደፍ’ዩ ኔይሩ” ንበል’ዶ? ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ኣንጻር ዓመጽቲ ዲዩ ዋላስ ኣንጻር ግዳያት ዓመጽቲ? እዚ መንእሰይ፡ ኣብ ሎስ ኣንጅልስ ተወሊዱ ዝዓበየ ኾይኑ፡ ማዕረ ክንደይ ዓሚቕ ዝኾነ ኣፍልጦ ብዛዕባ ህልው ኩነታት ሃገርና ኔይሩዎ ኢልና ክንሓትት ይግብኣና።

እቶም ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓበዩን፡ እዞም ኣብ ኤርትራ ተወሊድና ዝዓበናን ኣተሓሳስባና ይኹን ብዛዕባ ኤርትራ ዘሎና ኣፍልጦን ሓደ ክኸውን ኣይንጸበ። ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓበዩ፡ ምስ መቦቆል ዓዶም ምትእስሳር ክህልዎም ስለዝደልዩ፡ ፖለቲካዊ ኣፍልጦኦም ድሩት’ዩ። እዚ ሰብ’ዚ ድማ፡ ብዘይካ ኤርትራ ኣትዩ ምስ ሓለፍቲ ምስኣልን፡ ኣብ ፌስቲቫል ህግደፍ ምስታፍን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝፈጸሞ ገበን ይኹን፡ ኣንጻር ደለይቲ ፍትሒ ዝገበሮ ጎስጓስ የብሉን።

ንዓና ዳኣ’ዩ ፌስቲቫል ህግደፍ እምበር፡ ንበዓል ኤርሚያስ ፌስቲቫል ኤርትራ ምዃኑ’ዩ። ንዓና’ዩ ኢሳያስ ዉልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ እምበር ንበዓል ኤርሚያስ መራሒ ሃገር ኤርትራ ፕረዚደንት ኢሳያስ ምዃኑ’ዮም ዝፈልጡ። ንኹላትና ድማ ነቲ ሓቂ ክሳብ እንፈልጦን ካብቲ ኣዳናጋሪ ዝኾነ ፖሊሲታት ህግደፍ ክሳብ እንገላግልን፡ ፌስቲቫል ኤርትራ ምዃኑን፡ ኢሳያስ ፕረዚደንት ሃገር ምዃኑን ንኣምን ዝነበርና ሰባት ኢና። ስለዚ ዓማጺን ግዳያት ዓማጺን ንፈላልዮም። ኣብ ነሓድሕድና ዘይምቅዳው ክህሉን፡ ርሕራሐን ሰብኣውነትን ከነጉድልን ነቲ ዓማጺ ስርዓት ጥራሕ’ዩ ዘርብሕ። ኣከያይዳና ጥበብን ምስትውዓልን ይጎድሎ’ሎ።

ህይወት ኤርሚያስ ካብ ናይቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝሃልቁ ዘለዉ ኣሕዋትና ሓለፋ ስለዘለዎ ኣይኮነን ኣብዚ ከም ኣርእስቲ ዝለዓል ዘሎ። ህይወት ግን ህይወት’ዩ። ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ’ቲ ስርዓት ዘሎና ጽልኣት እንወስዶም ዉሳኔታት መሊስና ከም እንፈናተት ብምግባር ንዕላማታት ኢሳያስን ኣዳኸርቱን ጥራሕ’ዩ ከገልግል ዝኽእል። ጸላኢና ኣጸቢቕና ነለሊ፡ እንተዘይኮነ ተሓባበርቲ ሽርሕታት ጸላኢና ዀንና ኢና ክንቅጽል። ደገፍቲ ህግደፍ፡ ሓደ ኤርትራዊ ብፍላይ ደላዪ ፍትሒ ክመውት እንከሎ ተንክስ ኢሎም ኣይዛረብሉን ኢዮም። እቲ ምኽንያት ድማ ሓንጎሎም ብራዕዲ’ቲ ስርዓት ስለዝተገዝኤን፡ ካብ ርእሶም ተበጊሶም ክዛረቡ ስለዘይክእሉን ሕልና ስለዘይብሎምን’ዩ። ንሕና ግን ህግደፍ ኣይኮናን። ነቲ ሕልና ኣልቦ ብሕልና፡ ነቲ ዓመጽ ብፍትሓዊ ኣጋባብ ክንርእዮ እንተዘይበቒዕና፡ ቅጽል ስምና’ዩ ደለይቲ ፍትሒ እምበር ኣተሓሳስባናስ ካብ ህግደፍ ኣይተገላገለን ማለት’ዩ። ህግደፍ ኣይኮናን!

********* 

ንኔፕሲ ሃሰል ወጢጥካ፡ ወጢጥካ ህግደፍ ወይ ድማ ኤርትራዊ ናይ ምግባር ጸወታ
* * *
መኮነን ተስፋይ
እቲ ብ31 መጋቢት ብጨው ቀትሪ ኣብ ኣፍደገ ትካሉ ዝተቐትለ ፍሉጥ ራፐር፡ ኣውፋርን ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰልን ኤርሚያስ ወይ በቲ ግኑን መጸውዒ ስሙ ኒፕስ ሃሰል ዝፍለጥ፡ ነንብሱ ከም ሓደ ጸሊም ኣሜሪካዊ እምበር ከም ሓደ ኤርትራዊ ቆጺሩ ይንቀሳቐስ ከም ዘይነበረ ካብ ደርፍታቱ ክሳብ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝገለጾ ቃለ መሕትታቱ ክንርዳእ ንኽእል።

ንዕዉት ሰብ፡ ንፍሉጥ ሰብ ኩሉ ናቱ’ዩ ክገብሮ ዝደሊ። እዚ ንቡር ነገር ኢዩ። ኔፕሲ ኤርትራዊ መበቆል ይሃልዎ ናይጀርያዊ እቲ ኣማውትኡ፡ እቲ ናብዚ ደረጃ ዘብጸሖ ጻዕሩን ተባላሕትነቱን ምስቲ ምልኩዕ ቁመኑኡን ደርፍታቱን ምስቲ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካን ዓለምን ምብሓቱን ዝኾነ ሰብ እንተተዛረበሉ እንተጸሓፈሉ ዘገርም ኣይኮነን። ካብ ኡ ሓሊፉ ግን ግኑን ንኸኸውን፡ ኣብዚ ዓወት ንኽበጽሕን ኣየምሃርካዮ፡ ሓገዝ ኣይገበርካሉ፡ ባህልኻን ልምድኻን ዘይፈልጦ ኩነታትካ ብግቡእ ከይተረደኦ ዝኸደ ሰብ ኤርሚያስ ኤርትራዊ ኢዩ ኔሩ ኢልካ ጥራሕ ክትንየተሉ ምፍታን ባዶነት’ዩ። ነዓይ ስም ግኑን ሰብ ጸዊዕካ ግኑን ክትመስል ምድላይ ምበልኩዎ።

ኤርሚያስ ካብ ኤርትራዊ ብ 100 ዕጽፊ ኣሜሪካዊ ኢዩ፡ ካብ ኤርትራዊ ድማ ወዲ ዓለም ምባሉ ኣዚዩ ይቐልል። ኤርሚያስ ኤርትራዊ ከብሎ ዝኽእል ኣቡኡ ዳዊት ኣስገዶም ስለዝኾነ ጥራሕ’ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኤርትራ ኣብ ስርሓት ስነጥበብ ኤርሚያስ ሃልያን ተጠቒሳን ኣይትፈልጥን። ንሓንቲ ካብተን ኣልቡማቱ ብስም ዝዓበየሉ ከባቢ ሎስ ኣንጀሎስ ክርሻው ክብል እምበር ኣኽርያ፡ ከረን ወይ ባጽዕ ክብል ኣይሰመያን። ንሱ ዝሓስቦን ዝሕልኖን ዝነበረ ኣብቲ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ደቡባዊ ክፋል ሎስ ኣንጀሎስ ንዘሎ ናይ ጉጅለ ምቅትታልን ናይ ብረት ጎንጽን ከመይ ጌሩ ደው የብሎ፡ መንእሰያት ካብቲ ሕማቕ ኩነታት ከመይ ጌሮም ይወጹ ደኣ ብዛዕባ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኤርትራ ኣይነበረን።

ንሱ ብመላእ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ከም ኣሜሪካዊ እምበር ከም ኤርትራዊ ተዘኪሩን ተጠቒሱን ኣይፈልጥን። እዚ ኮይኑ እናሃለው ግን ገለ ሰብ ህግደፍ ኢዩ ኔሩ ብምባል ክዛረቡ ገለ ሰብ ከኣ ከም ሓደ ብሉጽ ኤርትራዊ ክዛረቡሉ ክትዕዘብ ከለኻ እሶም ሰባት ይህውትቱ ድዮም ዘለው ትብል። ሕሉፍ ሓሊፉዎም ከም በዓል ወዲ ሰውራ ዝኣመሰሉ ናይ ማዕዶ ሃገራውያን ንኔፕሲ ስውእ ክብልዎ ተሰሚዖም። ኔፕሲ ስውእ በሎ ጻድቕ፡ ሓርበኛ በሎ ካልእ ሓንሳብ ከይዱ’ዩ ዝሰምዖ ወደሳ ኣይኮነን።

ይኹን እምበር ስም ግኑን ሰብ ጸዊዕካ ክትሕበን ምድላይ ንምንታይ ዕላማ ኢዩ?
ካልእ ኣብ ሓደ ሓደ ፓልቶክ ይኹን ላይቭ ክዝረብን ሰባት ክጽሕፉሉን ዝተዓዘብኩዎ ዛዕባ ንኣማውትኡ ዝምልከት ኢዩ። ኤርሚያስ “ሰላም ኣብ ጎደናታት” ብዝብል ቴማ ናይ ብረት ጎንጺ ደው ንምባል ሃገራዊ ጉባኤ ንምክያድ ዝዳሎ ዝነበረ ሰብ’ዩ። ምስ ፓሊስ ሎስ ኣንጀሎስ ብምትሕባብር ኣብታ ከተማ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ጉጅለ ምቅትታል ( ጋንግ ) ደው ከብሎ ዝከኣሎ ዝጽዕር ዝነበረ ሰብ’ዩ። ኤርሚያስ ነቶም ኣብ ሕማቕ ልምድታትን ባህርያትን ተሳቲፎም ዝነበሩ መተዓብይቱ ካብቲ ሕማቕ ኩንታት ኣውጺኡ ስራሕ ዝፈጠረን ህይወቶም ንምቕያር ዝጽዕር ዝነበረን ሰብ’ዩ። እዚ ይኹን እምበር ልዕሊ ኤርሚያስ ጸለውቲ ዝበሃሉ ጸለምቲ ኣዚዮም ብዙሓት ከም ዝኾኑ ምዝካር የድሊ።

ኤርሚስ ብዛዕባ ሓደ ብባህላዊ ሕክምና ጌሩ ኤይድስ፡ካንሰርን ካልእን ሕማማት ዘሕወየ ጸሊም ዶክተር ዶክመንታሪ ፊልም እናሰርሐ እንከሎ’ዩ ተቐቲሉ ዝብል ትንታነ ከምዚ ኣብ መእተዊ ዝበልክዎ ህግደፍ ንምግባሩ ምምጣጥ ዝካየድ ዘሎ እዚ’ውን ንመንግስቲ ኣሜሪካ ስግኣት ምንባሩ ንምግላጽ ዝግበር ምምጣጥ ምበልኩዎ። ታሪኽ ህይወት እቲ ዶክተር ባዕሉ ከይተረፈ ዝገበሮ ቃለ ምሕትት ኣብ ዩቱብ ኣሎ።

ሆንዳራዊ መበቆል ዘለዎ ሰቢ ብምባል ዝፍለጥ ብ1933 ተወሊዱ ኣብ 2016 ዝሞተ ባህላዊ ሓኪም ንሱ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ይኹን ይኹን ታሪኽ ህይወቱ ኣብ ብዙሕ ተገሊጹን ኣብ ዩቱብ ከይተረፈን ኣሎ። ኔፕሲ ብታሪኽ ሰቢ ተመሲጡ ዶክመንታሪ ክሰርሕ ምኽኣሉ ክሳብ ክንድኡ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዕላማ የግብሮ ኢልካ ምሕሳብ ኣይከኣልን እኮ እንተዘይበልኩ እቲ ተኽእሎ ግን ጸቢብ’ዩ። ሰቢ ቅድሚ 3 ዓመት ኢዩ ሞይቱ። ልቸንሳ ዘይብልካ ሰባት ትሕክም ኣለኻ ተባሂሉ ንዝቕረበሉ ክሱ ክሳብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ማለት ( supreme court) በጺሑ ንኸሰስቱ ረቲዖዎም’ዩ። እዚ ኣብ ዝኾነ ሰነዳት ይኹን ንሱ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ክረከብ ይከኣል’ዩ።

ቀታሊ ኤርሚያስ ድሮ ተታሒዙ ኣሎ፡ ቅድሚ ቅሩብ መዓልታት ተጎራፊጦም ምንባሮምን ኤርሚያስ ” ኣብዚኣ ገጽካ ከይርእየካ” ብምባል ካብቲ ዝውንኖ ትካሉ ሰጉጉዎ ከም ዝነበረን ከኣ ማዕከና ዜና ይገልጸኦ ኣለዋ። ኤርምያስን ቀታልን ኣብ ግዜ ንእስነቶም ኣብ ሓደ ‘ሮሊን ሲክትስ’ ዝበሃል ኣብ ኣሜሪካ ብዕበየቶም ካብ ዝጥቀሱ ጉጅለ ወይ ጋንግ ተጠርኒፎም ዝንቀሳስቐሱ ዝነበሩ ሰባት’ዮም። ኔፕሲ ከምዚ ኣብ ዝተፈላለየ ማዕከናት ዜና ዝጥቀስ ዘሎ ነቲ ናይ ጋንግ ህይወት በዲሁ ዕውት ሰብ ክኽውን እንከሎ ቀታሊኡ ገና ካብቲ ሕማቕ ኩነታት ዘይተገላገለ’ዩ ኔሩ። ንሱ እታ ቅድሚ ሞቱ ሓደ ሰዓት ዝጸሓፋ “ሓያል ጸላኢ ክህልወካ በረኸት ወይ ጸጋ’ዩ’ እትብል ጥቕሲ ነቲ ምስ ቀታሊኡ ኣጋጢሙዎ ዝነበረ ምትህልላኽ ንምግላጽ ድዩ ኢሉዋ ወይስ ካልእ ጸላኢ ኔሩዎ ዝፍለጥ የለን።

ካብ ሕማቕ ወልፍታትን ልምድን ወጺኡ ወናኒ 8 ሚልዮን ዶላር ርእሰ ማል ክኸውን ኪኢሉ ዝነበረ ነብሲ ሃስል ህቡቡነቱ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ’ዩ ዝኸይድ ኔሩ። ብፍላይ ድሕሪ ንሽልማት ግራሚ ምሕጻዩ ኣቓልቦ ሓያሎ ፈተወቲ ሙዚቃ ራፕ ክስሕብ ኪሉ ነበረ።
ኣብ መወዳእታ ብሕጂውን ብዙሓት ኤርሚያስ ክመጹ’ዮም። ካብ ምስ ሞቱ ብስሞም ጥራሕ ምሕባንን መጢጥና መጣጢና ዘይናቶም ክንህቦም ንፍትንን ኣቐዲምና ንቕረቦም፡ ንገደሰሎም፡ ኩነታት ሃገርና ንግለጸሎም። ኣብቲ ንሳቶም ዝገበሩዎ ምርኢት ይኹን ካልእን ኣጋጣሚ ተረኺብና ብዛዕባ ሽግርናን ክፈልጥዎ ዘለዎም ነገርን ዝገልጽ ጽሑፍ ኣብ ኢዶም ንሃቦም። ድሕሪኡ ኣፍና መሊእና ንዛረብ።

******^^^*^

ንሕና ዶስ፡ ንሱ እዩ ክሓዝነልና ዝግብኦ፧!!
—–

(ብደሳለ በረኸት ዝተጻሕፈ)
ገለ ኣዋርሕ ኣቢሉ ይገብር’ዩ። ሓንቲ ንጒዳያት ትማሊ ሰንበት፡ ድንገት ተረኺባ። ኤርምያስ (Nipsey Hussle) ዓሪፉ ወይ በቲ ሻዕብያ ጀንጂኖሞ ዘለዉ ማዓርግ – ተሰዊኡ። ንዕኡ መንግስተ-ሰማያት፡ ንስድራ ቤቱን ፈተውቱን ድማ ጽንዓት ይሃብ።

ኣብዚ ማሕበራዊ-ሜድያ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት መሪር ሓዘን ከም ዝተሰምዖም ይገልጹ ‘ለዉ። ብሓቂ ድማ ዘይግባእ ኣይኰነን። ሰብ ክመውት እንከሎ፤ ንዘንተ-እለት ይፍለየና ስለዘሎ፡ ምሕዛና ባህርያዊ። ኣብ ሕብረተሰብና ግን፡ “ናይ ሞት ይጽናሕ ‘ሞ፡ ናይ ሕልፈት ይበኸ!” ድማ ይበሃል’ዩ።

ኤርምያስ ኣብ 33 ዓመት ዕድሚኡ ሞይቱ። እዚ ዕድመ እዚ፡ ሰብ ዝያዳ ከፍርየሉን ክድሰተሉን ዝግብኦ ዕድመ እምበር፡ ብሓቂ ክሞተሉ ዝግብኦ ዕድመ ኣይኰነን፤ ዋላ’ኳ ኲሉ ነገር ንጽሕፍቶ ዝግደፍ እንተ-ዀነ።

ኤርምያስ ግን፡ ኣብ 33 ዓመት ዕድሚኡ፡ ብሞት ክሓልፍ እንከሎ፤ ብውሕዱ፡ ስም ገይሩ፡ ሚልዮናት ገንዘብ ገይሩ፡ ልዕሊ ዂሉ ድማ ልዕሊ ደርዘን ዝዀና ውርያትን ማይ-ዝመስላ ኣዋልድን ገይሩ እዩ ሓሊፉ። ቀሊል ኣሳልጦ ኣይኰነን። ርግጸኛ’የ፡ ንዓይ፡ ማለት ነዚ – ነዛ ጽሕፍቲ ዝጽሕፍ ዘለዂ ወስኺኲም፡ ኲሉዂም ተንብቡ ዘለዂ፡ ኣብ 33 ዓመትኲም ክንድ’ዚ ኣየፍረዂምን።

ብዛዕባ እቶም 33 ዓመት ዛጊት ዘይበጽሑ ናይ ሕማመይ ኣቐዲምካ ፍርዲ ምሃብ ኣድላዪ ኣይኰነን። እንታይ ክገብሩ ምዃኖም ስለ ዘይፈለጥና። ብዛዕባ በላሊጥ ምርጋጽ እኳ፡ ማእሙና ክሓልፍዎ’ውን ይኽእሉ’ዮም . . .

ብዝዀነ፡ ትማሊ ለይቲ ብሓቂ እሓስብ ነይረ። ዓለም እንታይ ትርፊ ኣለዋ!! ኲሊና መወቲ ኢና። ኤርምያስ ኣብ 33 ዕድሚኡ ክሓልፍ እንከሎ እዚ ዂሉ ገይሩ። ሞት ናይ ሓደ 73 ዓመት ኣብዛ ዓለም ዝነበረ ሽፍታ ናይ ሳሕል እሞ ንሕሰቦ። ብዘይካ ንሓደ፡ ንሕብረተ-ሰብ ዘጥፍእ ኢሳይያስ ዝተባህለ ጋኔን ምግ’ባር ምንም ዘይገበረ ሽፍታ።

እዞም ንእስነቶም ኣብ ሳሕል፤ ኣይጣዓሙ፡ ኣይጣዓማ፡ ኣይጣዓሞም ዘሕለፍዎ እሞ ንዘክር። ዋላ 101 ዓመት እንተ-ዝነብሩ፡ ህይወት ሓንሳብ ዝኸሰርዋ’ዮም። ንባዕሎም ህይወቶም ንብላሽ ከሲሮም ድማ፡ ንምሉእ ሕብረተ-ሰብ ህይወቱ ንኽኸስር፡ ዝላዓለ ጠንቅን ምኽንያትን ኰይኖም። ናይዚኣቶም፡ ካብዛ ዓለም ምሟቶም ዘይኰነስ፡ ኣብዛ ዓለም ምፍጣሮም’ዩ – ብልቢ ዘሕዝን።

ህይወት ብኽንደይ ነበርካ ዘይኰነትስ፡ ብምንታይ ኣውቄኻላ እያ ትልካዕ። እምበር ምንባር ድኣ ኲሉስ መዓልትታት ይቘጽርን ይጽብጽብን ኣሎ ‘ንዶ!!
ናይ ኤርምያስ ቊሩብ ቂር ዝበለትኒ። (ኣነ ደሓን’የ – ካብዞም ምስ ህልዋት እናተጣማጠሙ ንምዉታት ምኽሳስ ዘፍርሖም ኣይክኰንኲን)፤ “ምዉት ብግብሩ ይኽሰስ፡ ሰማይ ብበርቂ ይሕረስ!” ካብ ዝብሉ’የ።

ብዝዀነ፡ እዚ ኣብ ምዕራብ ሎስ-ኣንጀለስ፡ ኣብ ጌቶታት ንዝነብሩ ድኻታትን በጋሚንዶታትን ብምሕጋዝን፤ ኣርኣያን ኣብነትን ብምዃን ዝመርሐ ኤርሚያስ፡ ናብ ኤርትራ ምስ ከደ ግን፡ ብዘይካ ኢሳይያስ ዝበሃል በጋሚንዶን ናይ ኣእምሮ ሕሙምን ካልኦት ስኢኑ ማለት ድዩ ምስ ኢሳይያስ ጥራይ ተሳኢሉስ፡ እቲ ኣሳእል እዩ ዘይተዘርግሔ ዀይኑ፧!!

ካልእ ዝበሃል ነገር የለን፤ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ፡ ነዞም ክንድተን ናቱ ዓመታት ነብሪና፡ ክንዲ  1% ናቱ ኣፍሪና ዘይሞትናን ብህይወት ዘለናን ድማ፡ ኣብ ገነቱ ኰይኑ ዝሓዝነልናን ዝጽልየልናን ይገብሮ። ጸሎት ጻድቃናት ኣይጋደፈና፤ – ንበል አቡነ-ዘበሰማያት . . .

ሰነድ

Saba Kidane ተጻሕፈ-ብ:

ርእይቶ ንምግዳፍ ኣይትቀደሙ

መጽሓፊ ሓሳባትኩም

ኣይትሰከፉ! ኢመይልኩም ኣብዚ ገጽ እዚ ኣይክረኣይን እዩ። Required fields are marked *