ናብ ” ጋዜጣ ሳባ” ካብ ኣርኣያ ካሳ

 

 

ዳእላ

“ተመርዖ! ተመርዖ! ይብሉኻ ከም ዚሕግዙኻ!”

ኣርኣያ ካሳ

 

ስምዕታ! ትሕዝቶን ቋንቋን እዛ እትስዕብ ዳእላ ንመጠነ-ኣካል ዘይበጽሑን ንዅሉ ሰብን ብቕዕቲ ዘይክትከወን ትኽእል እያ። ነባቢ ብፍታዉ ስምዕታ ሰጊሩ ይንበብ።

* * * * *

ሓደ፡ ከም’ዚ ከማይ ሓደ-ነዲኡ ዝኾነ ‘ዓዋን’ ጓሳ ነበረ። ብዘይካ ኣዲኡ ካልእ መጓጅምቲ ሰብ ኣይነበሮን። ኵሎም መዘናኡ ጕስነት ገዲፎም፡ ሓዳር ገይሮም፡ ወሊዶም-ዘሚዶም እዮም። ንሱ ግን ካብ ጕስነት ኣይወጽአን።

 

ወላዲቱ፡ ሓዳር ንኽገብር፡ ደቂ-ወዳ ንኽትርኢን ክትስዕምን፡ ምዒዳ ተሓሊልዋ እዩ። ኣዝማድ እውን፡ “ኣቲ! ቀርኒ ክሳዕ ዜውጽእ ድኺ ክትጽበይዮ፧” እናበሉ ይወራዘዩላ ነይሮም። ኣዲኡ ከኣ፡ “ዋእ! ኣይንስኻትኮም’ንዶ ኣዝማዱ፡ ዘይትገንሑለይ፧” እናበለት ትምልሰሎም ነበረት።

 

ድሕሪ ብዙሕ ግዜ ግን፡ በልይሉ ግዲ ኮይኑ፡ ንኽምርዖ ፍቓዱ ከም ዝኾነ ኣተንብሀ። ኣዝማድ ተጓይዮም ጓል-ሰብ ኣምጽእሉ።

 

ከብካብ ተኻይዱ፡ ኵሎም ኣብ ወራይ ዚወዓሉ ሰባት ነናብ ገዛኦም ከዱ። ኣብ’ታ ህድሞ መርዓት ዝሳልሰይቶም ኣደን ወዲን ተረፉ።

 

ኣደ፡ ኣብ ውሻጠ ምስውስው ኣናበለት ትጸናጸን፣ ኣብ ከብሒ ካብ እተሰቕለት ቀንዴል፡ ናብ’ቲ መርዑ ዘለውዎ ወገን፡ ብርሃን ጭልምልም ይብል ነበረ። 

 

መርዓዊ፡ ኣብ ቅድሚ ንእዲ ደው ኢሉ፡ ጫቊት ትመስል፡ ጭብጥ ኢላ ንዝደቀሰት መርዓት ቍልቁል ይርእይ። መርዒት ከኣ፡ ኣብራኻ ዳርጋ ኣብ መንከሳ ኣልጊባ፡ ብጫፍ እተጕልበበታ ነጸላ፡ ሰሰሪቓ ንዓቐብ ቋሕ ኣናበለት ትርእዮ ነበረት።

 

እንታይ ከም ዚገብር መርዓዊ ሓርቢትዎ፡ “ተመርዖ! ተመርዖ! ይብሉኻ ከም ዚሕግዙኻ!” ብምባል ኣዕዘምዘመ። ብዛዕባ መርዓ፡ ዝኔት ዚፈልጦ ነገር ግን ኣይነበሮን። ኣብ ጕስነት፡ ብዛዕባ መርዓ ዕላል ኪልዓል እንከሎ፡ “ምጥ*፡ ምጥ*” እትብል ቃል ይሰምዕ ነበረ።

 

መርዓዊ፡ ብዘይካ ኣዲኡ ካልእ ዜማኽሮ ካልእ ሰብ ኣይነበሮን። ንኣዲኡ ኪዛረባ ኪደልይ እንከሎ፡ ኣቓልቦኣ ንኽስሕብ፡ ኵልሳዕ “ዎ’ደ!” ቢሉ ይጅምር። ኣዲኡ ከኣ ዘረባኡ ንኽትሰምዕ ቅርብቲ ምዃና ክትሕብር፡ “ሃእ! ሓመድካ ዕደ” ትብሎ ነበረት። ኣብ’ዛ ንመርዓዊ ፈታናቲ ዝኾነትሉ እዋን፡ ፍታሕ ንኸናድይ ከም’ቲ ልሙድ ንኣዲኡ ተደሃያ። 

 

ምምልላስ ዘረባኦም ከም’ዚ ዚስዕብ ነበረ፤

 

“ዎ ‘ደ!”

“ሃእ! ሓመድካ ዕደ።”

 

“ኣበ’ሎ ‘ትምጥራ፧”

“ድለዮ ኣብ ማእከል ኣ’ጋራ።”

 

መርዓዊ፡ “መፍትሒ-ስረ” ኣይፈልጥን፣ ናብኡ ዜብጽሕ ግዜ እውን እንከይሃበ፡ ድንን ኢሉ፡ በቲ ክንዲ-ሰፍኢ ዝኸውን መብረድ ኢዱ፡ ንእዛ መርዓት ግልህልህ ኬብላ ኣይኣገሞን።  ጋሊሁ ብዝርኣዮ ነገር፡ ቅድሚ ሕጂ ኮይንዎ ዘይፈልጥ፡ መላእ-ኣካላቱ፡ ሕንዚ ከም ዝተዘርኦ፡ ተዘዝ በሎ። ሕጂ እውን እንታይ ከም ዚግበር ሓርቢትዎ ምስ ስምዒቱ፡ ቍልቍል እናጠመተ ተዓነደ። 

 

“ተመርዖ! ተመርዖ! ይብልኻ ከም ዝሕግዙኻ!” ደጊሙ ኣዕዘምዘመ። ሕጂ’ውን ኮይና-ተሪፋ፡ ምኽሪ ካብ ኣደ እዩ።

 

ምምልላስ ዘረባኦም ከም’ዚ ዚስዕብ ነበረ፤

 

“ዎ ‘ደ!”

“ሃእ! ሓመድካ ዕደ።”

 

“ከመይ ገርካ ዝውደ፧”

“እቲ ሓደ እግራ ትንጸፎ፡ እቲ ሓደ እግራ ትውንዘፎ ‘ዝወደ።”

 

ተፈጸመ።

ሰነድ

Saba Kidane ተጻሕፈ-ብ:

ሓንቲ ርእይቶ

መጽሓፊ ሓሳባትኩም

ኣይትሰከፉ! ኢመይልኩም ኣብዚ ገጽ እዚ ኣይክረኣይን እዩ። Required fields are marked *