ናይ ሓዘን መልእክቲ ብምኽንያት ምውዳቕ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ

ብምኽንያት ሎሚ ንግሆ ዘጋጠመ፡ምውዳቕ ነፋሪት  መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ Boeing737፡ ጋዜጣ ሳባ መሪር ሓዘና እናገለጸት፡ ንቤተሰብ ናይቲ ግዳያት ጽንዓት ይሃብኩም ትብል። እታ 149 ተሳፈርቲን 8 ሰራሕተኛታትን ጽዒና ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ናይሮቢ ትጓዓዝ  ዝነበረት ነፋሪት ፡ 62 ኪሎሜተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቢስሆፍቱ ዝወደቐት ነፋሪት ፡ዛጊት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ሰዓት 8:44 ብ ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ከም ዝተበገስትን ፡ ዝሞቱ ሰባት ከም ዘለዉ እምበር፡ ምኽንያት መውደቒኣን ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ሓጺር መዓልታት ክወሃብ ምኳኑ እታ ካብ ቤት ጽህፈት እቲ መንገዲ ኣየር ይግለጽ ኣሎ።

ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ Flightradar24 ኣብ ዝህቦ ዘሎ ሓበሬታ መሰረት እንተደኣ ኾይኑ፡ እታ Et-AvJ ቁጽሪ ሰሌደኣ 63450 ዝኮነት ነፋሪት ፡ ናይ መጀመርታ በረረኣ ብ ሕዳር 2018 ከም ዝነበረን ሓዳሽ ነፋሪት ምኳናን ኣብቲ ብ መንገዲ ቱተር ዝፈነውዎ ሓበሬታ የነጽር።

እታ ብ ጽፉፍ ኣገልግሎታን ብቕዓታን ዓቢ ዝና ዘለዋ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2010 ድማ 90 ሰባት ዝሞትሉ ሓደጋ ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ትዝታ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክትር ኣብይ ኣሕመድ ድሮ ን መንግስቲ ኢትዮጵያ ወኪሎም ወግዓዊ ናይ ሓዘን መግለጺ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ። ብተወሳኺ እውን ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ፡ ናይ ሓዘን መልእክቶም ሰዲዶም ኣለዉ። 

 

 

 

( እዚኣተን ገለ ካብ ግዳያት እየነ)

 

 

 

ድሒሩ ዝተወሰኸ ሓበሬታ

 

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣቶ ተወልደ ገብረማርያም ንጋዜጠኛትት ሎሚ ንግሆ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ክፍለጥ ተኻኣኢሉ ኸም ዘሎ
በረራ ቁጽሪ 302 ካብ ቦሌ 8:38 በሪሩ ኣብ 8:44 ካብ ራዳር ተሰዊራ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ሓጺር እዋን ካብ መበገሲ ቦታኡ 62 ኪሎሜተር ኣብ መሬት ተኽስኪሱ ን ኹሎም ማለት 157 ተሳፈርቲን ሰራሕተኛታታ ብ ህይወት ዝተረፈ ከም ዘየለ ሓላፊ
ንሱ ኣብ ምግለጺኡ እታ ሎም ወጋሕታ በርራኣ ርእሰ ከተማ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ጆሃንስበርግ ብሰላም ምስ ተመልሰት ብዝነበረ ውጥን መሰረት ናብ ኬንያ ክትበርር ከም ዝተገብረን።
እታ ነፋሪር ናብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ጥቕምቲ 2018 ደኣ ትረከብ እንበር ዝሰርሐት ሓዳስ ነፋሪት ዘይኮነትሲ ኣቐዲማ ዝሰርሐት ስለ ዝነበረት፣ እቲ ግቡእ ናይ ቴክኒክ ብቕዓት መርመራ ኣብ 4 ለካቲት 2019 ከም ዝተገብረሉን እዩ።

ካፕቴን ያሬድ ሙልጌታ ዝተባህለ ናይ ኬንያያዊን ኢትዮጵያዊን ትውልዲ ዘለዎ ቀንዲ ኣብራሪኣ፣ ምስ እቲ መንገዲ ኣየር ድማ ካብ ሓምለ2010 ኣትሒዙ ከም ዝሰርሐን ከምኡ እውን ተሓጋጋዚኡ ኣሕመድ ኑር መሓመድ ኑር ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ከም ዝኾኑ፣ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓታቱ ን ልዕሊ 200 ሰዓታት ዝበረረ እዩ።
ብሓፈሻ እቶም 157 ግዳያት ዜጋታት ናይ 22 ሃገራት ከም ዝኾነ ተረጋጊጹ ኣሎ።
ንሳተን ድማ፣
32 ኬንያውያን: 18 ካናዳውያን : 9 ኢትዮጱያውያን : 8 ቻይናውያን : 8 ኢጣልያውያን : 8 ኣመሪካውያን : 7 ፈረንሳውያን : 7 እንግሊዛውያን : 6 ግብጻውያን: 5 ኔዘርላዳውያን : 4 ሕቡራት ሃገራት ፓስፖርት ዝነበሮም : 4 ህንዳውያን : 3 ሩስያውያን : 3 ሽወደናውያን : 2 ሞሮካውያን :2 እስራኤላውያን : 1 በልጁማዊ 1 ኡጋንዳዊ :1 የመናዊ:1 ሱዳናዊ: 1 ቶጋዊ : 1 ሞዛምቢካዊ 1 ነርወጃዊ እዮም ነይሮም ።

ሳባ ኪዳነ

10/03/2019 

ፓሪስ

 

 

ሰነድ

Saba Kidane ተጻሕፈ-ብ:

ርእይቶ ንምግዳፍ ኣይትቀደሙ

መጽሓፊ ሓሳባትኩም

ኣይትሰከፉ! ኢመይልኩም ኣብዚ ገጽ እዚ ኣይክረኣይን እዩ። Required fields are marked *