ዓንዲ ሕቖኺ ደሪቑ
ገጽኪ ኣዕጠርጢሩ
ኣዒንትኺ ቖርቊሩ
ኢድኪ ኢደ ሰለሙን
ፈትልን መርፍእን ኣላጊቡ
ላኻን ኣርግሀን ኣዋዲዱ
ብልሕኺ ጽባቐይ ኣግሂዱ።
ኣዒንትኺ እንደሞ ቐውትኡ ኣርሒቑ
ምስቲ ምጋሽ ልቢ ንገንዘብ ብሂጉ!
ኣነ መን’የ ኣይበልክን ሕርይቲ
መንፈስ ኣይተጠርየን
ኣብ መንጎይን መንጎኺ
እምበር ከርስኺ ፍረኡ ኽምንን
ኣሕሊፉ ኽህበኒ ንምናምን
ኣይተዋሕጠልክን።
ኪኖ ደረት ከኣ ምኾነ እንጌራ
ፍቕሪ ምዓበዮ ዕግበታዊ ዛራ፡
ልብኺ ኣውድቕለይ ሕርይቲ
ምስ ጥልቁዕ ከርስኺ
ኣብዛ ኢደይ ሙቲ።
ምለስዮ’ቲ ጨርባሕባሕ
ብልጭ ኢሉ ግብ ብጸላም ዝጋዋሕ
ነዚ እንተ ገይርኪ
ምስ ምምጻእ ድነ ሞት ንዓኺ ዘጥፋ
ኣይክገርመንን’ዩ ግፍሒ ዓይኒ መርፍእ።
ልክዕ ከምዚ ንዓይ
ድሕሪ ምሽራውኪ ምስ ኣባጅጎ
መጸበቕኩኺ–ምኾንኩ ኣደጎ።
ሓደራ ሕርይቲ
ምሳይ ይኹን ምርጫኺ
ሓቚፍክኒ ሙቲ!!
ግርማይ ኣብርሃም
ርእይቶ ንምግዳፍ ኣይትቀደሙ