#ንሎሚ ኣብ ጽሩራ# እዝምረልኪ ‘ወ ዘርእስታ፡ ናይ ገጣሚ ሓውና ባሕሪ ሓድጉ ክትከውን እያ

እዝምረልኪ `ወ!

ሕልና ኣእምሮ፥ በርቢረ
ዛንታኺ ኣብ ደብተረይ

ዓቂበ
ሕሉፍን ህሉዉን ኣኪበ
እዝምረልኪ እወ……!

ቃሕ ዘብለኪ፥ ቃሕ ዝብለኒ
ኣብ ዝዀነ ወቕቲ፥ ኣብ ዝዀነ ጭንቂ
ቃናይ ሲሒለ፥ ነብሰይ ፈቲሐ
ሓመድኪ ተኸዲነ፥ ሓመድኪ ቊሒመ!

እዝምረልኪ `ወ! …
ብደስ ዚብለኪ ቋንቋ
ዉሽጥኺ ነቢበ ብኣጋ
ኣብ እትዕንገልሉ ጋብላ
ቆጽልኺ ገይረ መዘከርታ!

ወይኒ ኰይንኪ ክትበሃጊ
ነብሰይ ገይረ ስጋኺ
እዝምረልኪ እወ…
መዝሙር ርእየትኪ ዘንቁሕ
መዝሙር ዝማረ፥ ንጽባሕኪ ዘብጽሕ!

ብእትደልዪዮ እምነት
ብእትብህግዪዮ ስብከት
ሓደ ገይረ ንኹሉ፥ ነጺገ ህኰት!
እዝምረልኪ እወ… !
በስቆርቋሪ ናፍቖት!
ዝማረ ሰላም፥ ዝማረ ሓድነት!

እወ እዝምረልኪ፥ ዚማረ ዕብለላ
ፈኖተይ እንዲኺ፥ ወትሩ ዝስቀላ
ክሻዕ ዕምሪ ህላወ፥ ዝህሉ ዝነብራ!

ባሕሪ ሓድጉ,
03/03/2019,

ሰነድ

Saba Kidane ተጻሕፈ-ብ:

2 ርእይቶታት

  1. እስክንድር ኣስጓዶም
    28-03-2019
    መጽሓፊ ሓሳባትኩም

    ሰላም ሳባ መደባቴ ጽብቅ እዮ ዘሎ።ናይ ኣማኑኤል ሳህለን ደሳለን መጻሕፍቶም ዝግዛእ ብከመይ ይርከብ

መጽሓፊ ሓሳባትኩም

ኣይትሰከፉ! ኢመይልኩም ኣብዚ ገጽ እዚ ኣይክረኣይን እዩ። Required fields are marked *