ንሎሚ ኣብ ጽሩራ# ጉድ ዝረኸበ ጉድ፡ ብ ገጣሚ ክብሮም ደሞዝ

ጉድ ዝረኸበ ጉድ

 

በዲላቶ ሓደራ በሊዓ
ተበዲላ ቃል እምነት በሊዓ
በዲላቶ ሰለፋ ቀሊዓ
በዲልዋ ኪዳኑ ረሲዑ
ተበዲሉ ለኪምዎም ቆልዑ
በዲላቶ ብእምነትን ኪዳንን
ተበዲሉስ ሰብ ምዃን ክስእን!?
ተበዲሉ
ብመንፈስ ሞይቱላ
ጸጊምዎ ምስ ቂሙ ክጾራ
በዲላቶ መሲልዋ
ተበዲሉ በዲልዋ
ተበዲሉስ ተበዲሉ
ቂም ክቐትል
ቂም ኣብቊሉ
ሕነ ኪዳን ሰብ ቀቲሉ፣
ቀቲሉ ንዘይቀትላ
ኣብ መንፈሱ ንዝጸሮ ምስላ
ቀቲልዎ መዋቲ ኣካላ
ጉድ ዝረኸበ ጉድ
ቂም ጥልመት ንምጥፋእ
ሓዊ ህይወት ምእጓድ።
27.02.2019.
ክብሮም ደሞዝ

ሰነድ

Saba Kidane ተጻሕፈ-ብ:

ሓንቲ ርእይቶ

መጽሓፊ ሓሳባትኩም

ኣይትሰከፉ! ኢመይልኩም ኣብዚ ገጽ እዚ ኣይክረኣይን እዩ። Required fields are marked *