ደሃይ ደቂ መስርዐይ
ከሜለኹም ‘ዶ በልካ
ከመይ ክንህሉ ትጽበ
ስቃይ ኣጽሂና ሽግር
‘ዳሰረበ
ሕሰም ኣብዚ ኣለኹ ኢሉ
ኣብ ገጽና ናተነበ
ከም ቀደምና ኣለና
እግርና ይነቅዕ
ከብድና ይጥልቅዕ!
ዃሕ ተበለ ግንባርና ንዓረር
ጸጥ ተበለ ሕሰም ንድረር
ሒዕ ኣይንብል ኣይንጠርዕ
ንደገ ፈሪሕና ንውሽጢ ንነብዕ!
ወዲ ቀሺ ብሕማም ተሰዊኡ
ወዲሓጂ ብፈንጂ ጠፊኡ
ናይ መቃድሾ ሓዲግካ ተዛረብ
ኣብኡ መቸም ይረባረብ
ከም ቀደሞም ይገናዘይሉ
ሓቲትካን ኮብሊልካን ‘ዳበሉ
ሕሉበይ ናብቲ ዘበልኩሞ ከብል
ሃፍ ምስ በለ
ደሃዩ የለን ኣበይ ከምዘበለ
ክላስከ ናይ ሕጂ ገደደ
ሰላም ሰሚዕና ሰለም ዘየበልና
ኮፍ ከይንብል ዋና ዘይብልና
ሃፍ ከይንብል እርጋን ኣርኪብና
ኡፍፍፍፍ ተካል ስማዕ!
ንሰማዒት እዝኒ
ተሌፎን ወዲኣ ገላጊላትኒ
ያፌት ተኽለ 8/11/2018
ሰላም ክቡራት ኣሕዋት ኣዳለውቲ gazzettaSaba.
ያፌት ተኽለ ሓደ ካብቶም ኣለዉና ኢልና ክንምከሓሎም እንኽእል ገጠምቲ ሃገርና ሓደ እዩ ግን ብ ዝተፈላለየ ምኽንያታት እቶም መሃርትን እዋናውያን ግጥምታቱ ካብ ጭራም ወረቐት ብቐሊሉ ዝጉሓፉን ኣብ ከብሒ ዉሻጥኡ ዝበልዩን ሓሊፍኩም ኣብዚ ክንነቦ ስለ ዝገበርኩም ከመስግነኩም እፈቱ፣ ን ያፌት ከኣ በርትዕ እቶም ነዓኻ ሳላ ተፈትሮ ዝዓደለካ ጸጋ ቀሊል ዝመስለካ ውህበት ግጥምታትካ ብዙሕ ተጸበይትን ኣንበብትን ተጠቀምትን ግጥምታትካ ከምዘለና ተረዲእካ ከም ናይ ሎሚ ከተንቢበና ንላቦ እግዚኣብሄር ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ ።
ሰላም ክቡራት ኣሕዋት ኣዳለውቲ ጋዜጣ ሳባ……
ያፌት ተኽለ ሓደ ካብቶም ኣለዉና ኢልና ክንምከሓሎም እንኽእል ገጠምቲ ሃገርና እዩ :ካብቶም ግጥምታቱ እንዳስተማቀሩ ተሃን ምንባብ ግጥምታ ዘውጽኡ ሓደ ኮይነ ካብዚ ንላዕሊ ውን ክስርሕ ከምዝኽእል ትጽቢተይን ተስፋይን እዩ። ከምእውን ኣብዚ ክንነቦ ስለ ዝገበርኩም ከመስግነኩም እፈቱ፣ ያፌት ከኣ በርትዕ