ንመድሃኔ ሃይለ

ንሎሚ ኣብ #ጽሩራ

ንመድሃኔ ሃይለ፡ ዝተወፈየት ግጥሚ

ንመድሃኔ ሃይለ

(ኣብ 18/09/2001፡ ናይ ንግሆ ክሳብ እዋን ምሳሕ ምስ ካልኦት ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ብሓንሳብ ኔርና ኣብ ሓንቲ ባር።
ሽዑ ነቲ ቕድሚኡ ዝነበረ መዓልታት፡ ኣብ ሃ.ኮ.ሰ.ኤን ዝነበረ፡ ምሳሕ ናይ ሓደ ዎርክሾፕ ምስ ተራኸብና፡
“ሳባ ግጥሚ ብዛዕባ ሕጊ ኣይረኣኹልኪን፡ ዘይትፍትንዮ”፡ ይብለኒ ስለ ዝነበረ ፡ተጋዲለ ሓንቲ ፈቲነ።

ምስ መድሃኔ ኣብ ሓደ ገዛውቲ ስለ ዝዓበና፡ ኣዝየ ንኡሽቶይ ከለኹ ስለ ዝፈልጠኒ፡ ከም ናይ ዓቢ ሓው ዝዓይነቱ፡ ድፍር ኢለ እውን ኣይዛረቦን እየ ነይረ፡ ንኣማኑኤል ኣስራት ተጎዝጒዘ እኳ እንተቐረብክዎ፡ “ኣንታ እዚኣ እኮ ቖልዓ እያ!” ፡ እናበለ ርእሱ እናነቕነቐ ይጫረቐለይ ነበረ።

ሽዑ መዓልቲ ግን ነቲ ዝነበረ ፡ ውጥር ዝበለ ኹነታት እታ መዓልቲ ከፋኹስ ብምባል፡” እስከ ረአየ ኢለ”፡ ሂበዮ፡ ነቢብዋ። ኣማኑኤል ድማ፡
“ግጥሚ ድያ ?”በለኒ
“እወ”
ክሳብ መድሃኔ ኣንቢቡ ዝውድእ፡ኣማኑኤል ይጥምቶ ነበረ፡ ምናልባት፡ “ክላ ንስኺ ድማ ኣርኪብኪ!” ከይብለኒ፡ ብስኩፍ ኣጣምታ ዓይነት።

ሽዑ መድሃኔ ፡ “ብራቮ ፡ ብራቮ ሳባ ንኹልና ዓው ኢልኪ ኣንብብያ” ምስ በለኒ
“ሄይ ሄይ”፡ ኢሉ ንክሰምዑኒ ገበረ። ኣማኑኤል ኣስራት ድማ፡ “
መዳ ደኣ ካብ መዓስ ግጥሚ ተገዲስካ፡ ‘መን ደኣ ክመውት ኮይኑ?’ዝበሃል ከምዚ እዩ። ” በለ እሞ፡-
ነታ ሓጻር ግጥሚ፡ ነቢበ ምስ ወዳእኩ፡ ቀዳማይ ኣጣቕዐ።
“ኣብ እትቕጽል ሕታም መጀመርያ ካብ ዝሕተማ ጽሑፋት ክትከውን እያ፡” በለ እሞ፡
“ርግጽ ንምኳን ሕጂ ሕጂ ሃብኒ ምእንቲ ነብሳ ሓጻር እያ፡”
በለኒ እሞ ከም ዝተበሃልክዎ ገበርኩ። ኣብ ቅድሚ ኣያታተይ ፡ ብፍላይ ድማ መድሃኔ ዘፍትወኒ ግጥሚ ምፍራየ ደስ በለኒ።
ሽዑ፡ ፖርቶፍልይኡ ኣውጺኡ፡ ኣብ ማእከል ስእልታትን፡ ታሴራን ጭርምራም ወተቓቕቲ ከእትዋ እንከሎ፡ ኣሳእል ክወድቕ ምስ ጀመረ፡
“ቆነጃጁ ይወድቃ ኣለዋ፡ ከይልሕጸጻ ተጠንቀቑለን”ኢሉ ክጫረቕ ጀመረ ፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል። ነታ ኣብ መንጎና ዝነበረት ብፍቕሪ ዓይኒ እትጥምቶ ዝነበረት ጓል የዒንቶም ሰሪቖም፡እናጠመቱ።
ስእሊ ኣዲኡ፡ ምስ ወደቐት ድማ ኣደይ መዓረይ ኢሉ፡ ኣልዒሉ ሰዓመን እሞ፡ ኣብ መንጎ ማትዎስ ተጸንበረና፡ እቲ ኣሳሳዪ ድማ እግሪ እግሩ ደበኽ፡ ምስ በለ፡ ኣጋፋዱስ ኮይኑ እዩ፡ ፓኒኖ መብዛሕትና ድማ ብስንባደ ኣይቆረስናን ኢና ዝነበርና። ንብላዕ ተበሂሉ ኣዘዝና።
ቅድሚኡ ግን በለ እሞ፡ መድሃኔ ሕጂ ሳባ ግጥሚ ስለ እተንብብ፡ተጋቢዝካ ኣለኻ በሎ።

ነታ ኣማኑኤል ዝፈትዋ፡ “ተጸለልለይ’ባ” እትብል ግጥሚ ፡ብድምጺ ብልጫ ዳዊት ወዲ መምህርን፡ እቲ በዓል ባርን፡ ካልኦትን ተሳዒራ፡ ነታ”ኩኒ” እትብል ግጥሚ ኣንቢበያ። ነቲ ዝጸንሓና ሙድ*ድማ ብመጠኑ ኣፍኩስ ኣበለቶ። ዕላል እታ መዓልቲ በዚ ኣየብቕዕንዩ፡ ኣብቲ ጽባሕ ሰንበት ምስ Tedros Menghistu ዝገብሮ ዕላል ክንቅጽሎ ኢና ንሕጂ ግን ኣብዚ ይኣኽለና።
እታ ሽዑ ንመድሃኔ ሃይለ፡ ዝሃብክዎ ግጥሚ እዛ እትስዕብ እያ ።

ዝባን ሕጊ
^^^^^—

ሕጊ
ንሰብ
ከም ስኒ ኣድጊ መሰደላደሎ
እውይ ዝተሓጎሶ
ምስ ፈለጠ ግን ከምዘይሰሓቖ
ጌሩ ዝሓረቖ
ይብል ድማ ኣሎ ዝባን ሕጊ
ሰብ ከየንቸቺ ኣብ ርእሲ ሕጊ

ሳባ ኪዳነ
መስከረም
2001 ኣስመራ

ሰነድ

ሳባ ኪዳነ ተጻሕፈ-ብ:

ርእይቶ ንምግዳፍ ኣይትቀደሙ

መጽሓፊ ሓሳባትኩም

ኣይትሰከፉ! ኢመይልኩም ኣብዚ ገጽ እዚ ኣይክረኣይን እዩ። Required fields are marked *