ኢትዮጵያ’ ዝተባህለ ጽውጽዋይን ሰላም ኤርትራን

 

                                                           ብ ዘካርያስ ገሪማ ዝተጻሕፍ

ብታ ‘ኢትዮጵያ’ ዝተባህለት እኽብካብ ሃገራትን ህዝብታትን ኣብዚ ዝሓለፈ 600 ዓመታት ዝጸንሐን ዝቕጽልን ዘሎ ቅርሕንቲ ዝበዝሖ ደማዊ ምውዳእ ኣብዚ ሰለስተ ዓመታት፡ ከቋርጽ ተስፋ ኸምዘይብሉን እናነሃረ ከምዝቕጽልን ይርአ ኣሎ። ኣምሓሩ ጽውጽዋያዊ ሱር ንግስነት ካብ ዝምህዙ ንደሓር ሰላም ናይተን ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ክሳብ ቀላይ ጻና ተሰሪዐን ዝርከባ ሓያሎ ሃገራት ንዘመናት ተዘሪጉ ኣሎ። እቲ ልብወለዳዊ ሰርወ ንግስነት ንኣምሓሩ ዘስዓበሎም ዕብዳን ክሳዕ እዚ ዕለት እዚ ስለዘይገደፎም ኣብዚ ዝሓለፈ 56 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብተን ኪንዮ መረብ ዝርከባ ኢትዮጵያ ተባሂለን ዝጽውዓ ዘለዋ ናይ ተቓተልቲ ሓዳር መስሪተን ክዋድኣ ዝነብራ ሃገራት ተስፋ ነባሪ ሰላም የለን።

ኤርትራ ነባሪ ሰላም ክትረክብ እንተዀይና፡ እተን ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ሃገራት ረርእሰን ክኢለን ክነብራ ወይ ድማ ካብ ድሑር መስፍናውን ዓሌታውን ፖለቲካ ወጺአን ንገዛእ ርእሰንን ንጐረባብቲ ሃገራትን ዘይትርብሽ ሃገር መስሪተን ክቕጽላ ኣለወን። እዚ እንተዘይተኻኢሉ፡ እተን ጐረባብቲ ‘ኢትዮጵያ’ ዝዀና ሃገራት ኤርትራ፡ ጂቡቲ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያን ኬንያን ኣገባበን ኣብሊሐን ነቲ ዘድሊ ለውጢ ከተባብዕኦ ይግባእ።

ኣብዛ ንሓድሕዶም ብቕርንሕቲ ዝቃተሉ ጉጅለታት ዝናበሩላ ዘለዉ ኣብ ጽውጽዋይ እትነብር ኢትዮጵያ ሓይሊ ኽሕዙ ዝደልዩ ወገናት ኩሉ ሳዕ ናብ ኤርትራን ናብ ባሕራን የቋምቱ። ካብ ዝዀነ ይኹን ናይዛ ኢትዮጵያ እትበሃል ዘላ ጉጅለ ህዝብታት ተበጊሱ ቀይሕ ባሕርን ኤርትራን ዝሃርፍ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣብ ዝተራእየሉ ዝዀነ ይኹን እዋን ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ክህሉ ማለት ፈጺምካ ዘይሕለም እዩ። ብፍላይ ኣብ ሶማልያ፡ ጂቡቲ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ርግኣት ክርከብ እተዀይኑ፡ እቶም ንምዕራብን ንምብራቕን እናተበገሱ ብሓንሳብ ኢና ዝብሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ህዝብታት ሓቀኛ ሓባራዊት ሃገር ክምስርቱ ወይ ድማ በቤቶም ፈልዮም ካብ ጽውጽዋይ ወጺኦም ናብ ነናቶም ሃገራት ከምርሑ ይግብኦም። ቀንዲ ህዝባ ኦሮሞ ኽነሶም ብጽውጽዋይ ኣምሓሩ እትምራሕ ሃገር ንዝዀነ ይኹን ካብቶም ኣብኣ ዝርከቡ 80 ዝበጽሑ ቋንቋታት ዝዛረቡ ህዝብታት ኣይትኸውንን እያ።

ኣብ ገማግም ቀላይ ጻና ዀይኖም ዝጠምዩ፡ ኣብ ቀጠልያ ሃገር ብዓጸቦ ዝውድኡ ህዝቢ፡ ኣብ ገበላኦም ዘሎ ሽሻይ ምእካቡ ሰኣን ምኽኣሎም እናተዃሳተሩ፡ ኣብ ዘይሃገሮም፡ ኣቦሓጎታቶም ርእዮሞን ረጊጾሞን ኣብ ዘይፈልጡ፡ ዋናታት ኣብ ዘለውዎ ባሕርን ምድርን እንታይ ከፍርዩ ይኽእሉ፧

ካብ 1952 ክሳብ 1991 ኣብ ዝነበረ ናይ ፈደረሽንን መቝረንትን 40 ዓመታት ዝዀነ ይኹን ካብቶም ብቐይሕ ባሕሪ ዝዓብዱ ኣምሓሩ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ሓደ ዓሳ ኣየውጽአን፡ ኣብ ዝዀነት ትኹን ናይ ኤርትራ ኸተማ ብግዲ እንተዘይኰይኑ ብፍታዉ ኣይተቐመጠን። እቲ ን40 ዓመታት ዝተሃነጸ ሓይሊ ባሕሪ ናይታ ማያ ኽትሰቲ ዘይትኽእል ‘ኢትዮጵያ’ ኣብ 4 ወርሒ ብዝሰልጠነ ንእሽቶን ብግቡእ ዘይዓጠቐን ኣሃዱ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብዘይተረፍ ተደምሲሱ።

ኣብቲ ኤርትራ ብፈደረሽንን መቝረንትን ዝተዓመጸትሉ 40 ዓመታት፡ ልሙዕ ሕርሻዊ ቦታታትን እኹል ማይን እትውንን ኢትዮጵያ ብጥሜት እናተጸውዐት፡ ውቅያኖሳት ሰጊሩ ዝመጸ እኽሊ ብወደብ ዓሰብ ትቕበል ኔራ። ሎሚ ውን እንተዀነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ረድኤት ክሓልፍ ዝኽልክል ህዝቢ ብዘይምዃኑ ትኳቦ ዝሓልፈሉ ኣፍደገ ተዓጽዩ ዝብል ሻቕሎት ክህሉ ኣይምተገብኦን። እዚ ምስዘይደልዩ ድማ ኣብ ሶማልያን ጂቡቲን ሰላም ክህሉ ኽጽዕሩን መዓልቲ ጸገም ከምዝመጽእ ተረዲኦም ንህዝቢ ኤርትራ ከኽብርዎን ይግብኦም።
እቲ ክሳብ 1974 ዝነበረ ብልቕብቃብ ዛንታታትን ወለዶን ዝተሃንጸ ሃጸይነት ናብ ኤርትራ እንተዘየቋምት ክሳዕ ሎሚ ኣይምወደቐን። ምናልባት ውን፡ ነቶም ኢትዮጵያ ተባሂለን ኣብ እተጠርነፋ ሃገራት ዝርከቡ ሓፋሽ ካብዚ ዘቃትሎም ዘሎ ኣብ ዓሌት ዝተመርኰሰ ስርዓተ መንግስታት ውጹእ ንግስነት ምሓሾም ይኸውን። ስርዓት ደርግ ኣብ ክንዲ ማርክሳዊ ዝብል ስም ዝቐየረ ኣተሓሳስባ ራእሲ ተፈሪ ምኽታል ሓቀኛ ሰላም ከምጽእ እንተዝጽዕር እቲ ኣብ ኲናትን ህልቂትን ዝጠፍአ ጸጋታትን ዓመታትን ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ህዝብታት ሓባራዊት ሃገር ክሃንጹ ኣፍቂዱሎም ምዀነ። ህ.ወ.ሓ.ት ኣብዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ብሕቡእ መደባትን ጽልእን እናተመርሑ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንኻልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘየኽስብ ኣገባብ ምሕደራን ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብምእዋጅን ንኢትዮጵያ ኣብ ኣፍደገ ውሽጣዊ ዂናት ኣብጺሖማ ኣለዉ።

ንኤርትራ ከም መፍትሒ ጸገማት ኢትዮጵያ ዝጠመቱ ፈተነታት ክሳዕ ሎሚ ፈሺሎም እዮም። ብሕጂ ውን፡ ኢትዮጵያ ጸገማታ ኻብ ውሽጣ ምዃኑ ኣለልያ ካብ ህውተታን ጽውጽዋይን ካብ ምኽሓድ ቁስላን ተጋላጊላ ክትሰርሕ እንተኽኢላ ከምቲ ገለ ወገናታ ዝምነይዎ ሓቀኛ ሃገር ክትከውን ተስፋ ኽህልዋ ይኽእል እዩ። ኢትዮጵያ ናይ ኩሎም ኣብቲ ዝተሓንጸጸላ ዶባት ዝነብሩ ህዝቢ ኽትክውንን ካብ መስፍናዊ መንግስትታት ወጺኣ ሓቀኛ ዘመናዊ ምሕደራን ኣገባብ ምምቕቓል ስልጣንን ክትተክል ይግብኣ። ወይ ድማ መጻኢኦም ክሕንጽጹ ኸለዉ ናብ ኣንጻራዊ መኣዝናት ዘቋምቱ ጉጅለታት ንዓብላልነት ክቃለሱ ዝነብሩላ ናይ ግዴታ ጥርናፈ ምዃና ኣስተብሂላ እተን ጉጀላታት ነናብ ቤተን ከምርሓ ኣለወን። ህ.ወ.ሓ.ት ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ዘጽንት ዘሎ መፍሰሲ ደም ካብ ምቅብጣርን ኣብ መደባት ተጻራፊኦም ዕሱባት ኰይኖም ካብ ምስራሕን፡ ነቲ ብልኡኻቶም ኣቢሎም ዝሰብክዎ ቅርርብ ህዝብታት ናብ ጥዕና ቐይሮም ንህዝቢ ኤርትራ ንለውጢ ኽቃለስ ካብ ምዕጋት ኣእዳዎም ክእክቡ ይኽእሉ እዮም።

ህ.ወ.ሓ.ት ንትግራይ ሓቀኛ ሓልዮት ከርእይዋ እንተዀይኖም፡ ብኸመይ ኣገባብ ናጻን ምስ ጐረባብታ ህዝብታት ሰላም ዘለዋን ሃገር ከምእትኸውን ክዓዩ እምበር፡ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ኣእዳዉ ዘይነቅጽ ደም ገዲፎምሉ ኽእለዩ የብሎምን። ንዝፈቱ ይኹን ንዝጸልእ ኤርትራ ሃገር እያ። ትግራይ ካብ መቝረንቲ ጽውጽዋያት ኣምሓሩ ወጺኣ፡ ካብ ቍርቍስ ኦሮሞ ተኣልያ ርኣሳ ዝኸኣለት ሃገር ክትከውን፡ ወይ ድማ ንኢትዮጵያ ካብ ዓሌታዊ ስርርዕ ምሕደራ ናብ ሓባራዊ ህዝባዊ መንግስቲ (ረፑብሊክ) ኣሰጋጊራ ብሰላም ናብ መገዲ ዕቤት ክትጕዓዝ ትኽእል እያ። ንኤርትራን ንህዝቢ ኤርትራን ብመገዲ ጽውጽዋያት ናብ ሞቱ መሪሕካ ንሰላም ኢትዮጵያ ይኹን ንዕቤት ትግራይ ዝኸውን መስዋእቲ ንምግባሩ ዝትጸንሰ ሕልሚ ግና ህዝብታት ከዋድእ እምበር ዝሃንጾ ቕንጣቦ ነገር የብሉን።
በቲ ልብወለዳዊ ዛንታታት ዝዓበዱ ህዝብን ከይተጸውዑ ኸቃባጥሩሎም ዝደልዩ መራሕትን ኣብ ክንዲ ናብ ጥርንፍቲ ሃገር ወይ ድማ ናብ ሰናይ ጕርብትና ዘዘውትራ ሃገራት ምምስራት ዘምርሑ፡ ኣብታ ካብ ዝርጋሐ መግዛእቲ ኣብ ዝተረፈ ቦታታት ብኣስገዳድ ዝተሰንዐት ሃገር ክነብሩ እናመረጹ ኣብ ውሽጦምን ኣብ ጐረባብቲ ሃገራትን ተስፋ ሰላም የጸልምቱ ኣለዉ። ክሳዕ እዚ መዓልቲ እዚ እታ ሃገር ካብ እትምስረት ዝመርሕዋ ሓሙሽተ ሰባት ዓቕሚ መሪሕነት ዘይብሎምን ነታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ምትፍናን ዝመርሕዋን ስለዝዀኑ፡ ንገዛእ ሰላሞም ክብሉ፡ ኤርትራውያን፡ ነዚ እዋናዊ ግድል ምስፈትሑ፡ ነዘን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጠርነፋ ሃገራት ሓቀኛ ሓባራዊ ሃገራውነት ክህልወን ወይ ድማ ነናተን ሃገራት ክምስርታ ኸየዕረፉ ኽዓዩ ኸድልዮም እዩ።

ኣብ 1990ታት ህ.ወ.ሓ.ት ነቲ መተናዅልቶም ዝወልዖ ኲናት ኣሳዊሮም ብሕጋዊ መገዲ ኸይዛዘም ብምሕንጋድን ብጉዳይ ወደብን ኤርትራን እናሸቀጡ ኣብ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ክረኽቡ ፈቲኖም። ምስቲ ንህዝባዊ ግንባር ሓዪሩ ኣብ ስልጣን ኮፍ ዝበለ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝተባህለ ጉጅለ ናይ መትከል ጽልኢ ስለዘይብሉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነበራ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ክመጽእ ዝዓያ ጉጅለታት ኣልሚሱ፡ ብኢድ እቶም ናይ ጥቕሚ መባእስቱ ክዀኑ ዝኽእሉ ናይ መትከል ብጾቱ ህዝቢ ኤርትራ ክሳዕ ምትንሳእ ዘይከኣሎ ዝኸውን ክደክም ተጸብዩ። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቤትን ካብ ጐረቤትን ዝተፈነወ መጥቃዕቲ ኣብ መፈጸምትኡ ኸይበጽሐ ግና፡ ኢትዮጵያ እቲ ኻብዝን ካብትን ዝተኣኻኸበ ኣካላታ ምጥዕዓም ስለዝኣበያ እቶም ነዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ንነባሪ ዕቤት ኢትዮጵያ ይኹን ንድሕነት ትግራይ ክጥቀሙሉ ዘይከኣሉ፡ ኣብ ጥራይ ኣእዳዎም ጐባልል ምብራቕ ኣፍሪቃ ኽመስሎም ዝጸንሑ ዕቡዳት ንህዝቦም ኣብ ኣዒንቲ ጽልኢ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣእትዮም ንርእሶም መላገጺ ይዀኑ ኣለዉ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኣመል ጽውጽዋያት ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣላቢዕካ ንህዝቢ መቓቒልካ ምልማስ ብወፍሪ ኻብ ዝስርሓሉ ካብቲ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ጉጅለ 14 ዓመታት፡ ካብ ጉጅለ ዕቡዳት ህወሓት ድማ እንተወሓደ 7 ዓመት ኣቝጺሩ ኣሎ። ብመሰረቱ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ ንኤርትራ ንምዕናው ከይተኣዘዘ ስርሖም ዘስለጠሎም ስለዝመሰሎም እምበር፡ ከይተኣዘዙ ነቶም ንህዝቢ ኤርትራ ዝዓመጹ ጉጅለ ን20 ዓመታት ዝተላእክዎም ህ.ወ.ሓ.ት እዮም። ብቕርሕንታዊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ጥራይ ዝሓስቡ ገለ ባእታታት ህ.ወ.ሓ.ት ልክዕ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ናይ ጥቕሚ መባእስቶም ካብ ጌጋ ናይ ምእራም ዓቕሚ ዘይብሎም ስለዝዀኑ ድማ፡ ዓሌታዊ ጽውጽዋያት ሃገራዊ ማሕበራዊ ሰልፊ ጀርመን (ናዚ) ከምዘለዎ ቐዲሖም እናዘርግሑ ከምቲ ቕድሚ 24 ዓመታት ኣብ ርዋንዳ ዝተራእየ ዓሌታዊ ህልቂት ኣብ ኤርትራ ኽትኵሱ ለይትን መዓልትን ካብ ዝሰርሑ ዓመታት ኣቝጺሮም፡ ሎሚ ኣበርቲዖም ይጽዕሩሉ ኣለዉ።
ኣብዚ ህ.ግ.ደ.ፍ ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ጉጅለ ሒደት ውልቀሰባት ንኤርትራ ንዘልኣለም ከጥፍእ ከይተሓለለ ዝተናዀለሉ ዘሎ እዋን፡ ብዕቡዳት ባእታታት ህ.ወ.ሓ.ት ዝምራሕ ጉጅለ ዓሌታዊ ጽውጽዋያት እናዘርግሐ ኣብ ኤርትራ ኲናት ሓድሕድን ደማዊ ህልቂትን ንኽህሉ ምጽዓሩ ኣዝዩ ዘጕሂ ታሪኻዊ ተርእዮ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ዝካየድ ዘሎ ናይ ዳንኬራ ፖለቲካ ይኹን ንነዊሕ ዝተሰርሓሉ ንኤርትራ ደራቒምካ ናይ ምብታን መደባት ካብ ዝተበገሰ ይበገስ ንኤርትራ ጥራይ ሃስዩ ዝውዳእ ኣይኰነን። ብዝዀነ ይኹን መስመር ትንተና፡ ትግራይ ትኹን እታ ትግራይ ከትገዝኣ ዝጸንሐት ብኦሮሞ ዝተመንጠለት ኢትዮጵያ ብመጠን እቲ ንኤርትራ ኸም ፍታሕ ጸገማተን ርእየን ዝተጓዕዛሉ ጥፍኣተን ክፈጥን እዩ። እቶም ካብ ርሑቕ ይኹን ካብ ውሽጢ ሃገር ንህዝቢ ኤርትራ ተማሳጢሮም ክዘርግዎ ዝዓዩ ዘለዉ ወገናት ናብ ታሪኽ ተመልኪቶም እቲ ዝዅዕትዎ ዘለዉ ጕድጓድ ንዓታቶም ከይከውን ኣስተብሂሎም ኣእዳዎም ሎሚ ኽእክቡ ንጽቡቖም እዩ።

ሰነድ

Saba Kidane ተጻሕፈ-ብ:

ሓንቲ ርእይቶ

  1. التحليل السياسي الذي كتب من قبل سابا لم أجد أي شيء جديد. هذا كنت اسمعه كل صباح عندما يتناول القهوة. هذا يعني انه كلام لم يعتمد على علوم الاجتماعي أو سياسي. الصراع السياسي الذي نراه في القرن الأفريقي. من المعروف الاستعمير الكلاسيكية ابتدا من الأتراك أو المصرية مرور الكرام إيطاليا وبريطانية له في جعبته اجوبه للتساؤل الذي يأتي في دماغك.

መጽሓፊ ሓሳባትኩም

ኣይትሰከፉ! ኢመይልኩም ኣብዚ ገጽ እዚ ኣይክረኣይን እዩ። Required fields are marked *