ናይ ስራሕ ህይወቱ
ምስ ብዙሓት ዘረባ
ተዛራባይ ገይርዎ
ሰሚዐ ኣብ ቀረባ።
*
ባህሪ ናይ ስርሓ
ሰብ ምእላይ ካብ ጸይቂ
ስድታት በዚሖም
ተጸሚዳ ኣብ ቆያቂ
የግዲ ትንግርም
ማለት ድዩ እታ ሓቂ?
*
ኣብ ክፍሊ ሬሳኸ
ዝሰርሕ እከለ
ሬሳ ኣፋንዩ
ሬሳ እናተቐበለ
ምስ ዘይሰምዑ
ምስ ዘይርእዩ
ምስ ዘይስሕቁ
ምስ ዘይበኽዩ
እናወዓለ
ክዝነብ ማለት ድዩ
ከምቲ ዝተባህለ።
መም ተኽለ ተኸስተ
ይበል ከም ገለ ኣጋጣጥማ ምስትምቃር ግጥሚ
ሳቢ