እዚ ሰሙን ኣብ ታሪኽ

 

  እዚ ሰሙን እዚ ኣብ ታሪኽ

ኢትዮጵያ ፡ ጓል ኣንስተይቲ ፕረዚደንት ዝሾመትሉ ሰሙን እዩ፡ ወይዘሮ ሳህለ  ወርቕ ዘውዴ ይበሃላ ኮይነን   ፡ እተን ኣብ 1942 ዝተወለዳ፡ ዕድመ ጸገብ ፖለቲከኛ ፡ ክሳብ ነዚ ሓድሽ ሽመት ዝበቕዓ ኣብ ዝተፈላለየ ፡ ላዕላዋይ  ጽፍሒ  ክሳብ ብደረጃ ኣምባሳደር ካብ 1998 ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ከም ዘገልገላ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡ ንሰን እቲ ሽመት እቲ ዘይተጸበየኦ ምኳኑ ኣይሓብኣን ።

ምሽያም እዘን ፕረዚደንት፡ ን ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ዘለዋ  ስእሊ  ከዕዝዝ ካብ ዝገበረ ውሳኔታት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ምኳኑ ተንተንቲ የረድኡ።

 ኣፍሪቃ ብዘይካ ወይዘሮ ሳህለ  ካልኦት 7 ደቀንስትዮ ፕረስደንታት ከም ዝረኣይ ይፍለጥ.።

** ** ** 

– ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንኣጠቓቕማ ፕላስቲክ ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ንምንካይ ኣድሚጹ ኣሎ፡ በዚ መሰረት እምበኣር፡ኣብ ዝቕጽል ክልተ ዓመታት ፡ኩባያታት መስተዪ ውዑይ ነገራት ፕላስቲክ ኣይክኾኑን እዮመ።

****

– ካናዳ፡ ናይ ቶሮንቶ ከንቲባ ንምኳን  ዝተወዳደረት ሳሮን ገብረስላሴ ዝተባህለት  ኤርትራ ዝመበቆላ መንእሰት ራብዐይቲ ዝኮነትሉ።

**** 

 ንንጉሳዊ ቤተሰብ ወኪላ ምስ በዓልቤታ ልዑል ሄንሪ ኣብ ኣውስትራልይ ዑደት ክትገብር ዝቀነየት  ናይ መጀመርት ጸላም ኣሜሪካዊት ሜገን ማርከል ዑዳታ እትዛዝመሉ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ 

– 1904  ልክዕ ከምዚ ሰሙን እዚ መንገዲ ባቡር ኒውዮርክ ዝተኸፍተሉ 

– 1811 እቲ ን ሰፋይት ማሽን ዝመሃዘ Issac Singer ዝተወለደሉን 

ሰሙን እውን እዩ

 

ሳባ ኪዳነ 27/10/2018 ፓሪስ

 

ሰነድ

Saba Kidane ተጻሕፈ-ብ:

ርእይቶ ንምግዳፍ ኣይትቀደሙ

መጽሓፊ ሓሳባትኩም

ኣይትሰከፉ! ኢመይልኩም ኣብዚ ገጽ እዚ ኣይክረኣይን እዩ። Required fields are marked *