እድያት ዝማልይኦም


እዛ ማልያስ ተመሊሳ ትልበስ ዶ ትኸውን ?

ናይ ቅድሚ መዓልታት ኣብ ኣንዳ ኣማኑኤል ስዩም Amanuel Sium መንደቕ ፋይስቡኩ ብሓንቲ ደስ ኣትብል ስእሊ ወቂባ ነበረት። እድያት ናይ ባህላዊ ኽዳን ኣኣዴታቶም ዝለበሱ ተጻወትቲ ኹዕሶ እግሪ ! ረኣኹ እሞ አአንግድያ ድማ መጸኒ

ጽሕፍታ ድማ ከምዚ ትንበብ

ተዓዋቲት ዋንጫ ክለባት ኤርትራ ዓመተ ምህረት 1994፣ 1995፣ 1998፣ 1999፣ ብድሕሪኡስ ኣይዝክሮን፣ ዝኾነት ጋንታ ቐይሕ ባሕሪ (ኤልፓ)። ኣብ 1998 ዓመተ ምህረት ቀዳመይቲ ምስ ወጸአት፣ ንኤርትራ ብምውካል ኣብ ዝነበረ ናይ ዑዉታት ጋንታት ኣፍሪቓ፣ ናይ ኣውዲቅካ ምሕላፍ ግጥማት መጀመርያ ምስ ጋንታ ወላይታቱሳ ( ኢትዮጵያ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ 2 ብ 0 ብምዕዋት፣ ካልኣይ ጸወታ ካኣ ኣብ ስታዲዩም ኣስመራ 3 ብ 3 ወጽኣ። ብድምር ካኣ 5 ብ 3 ናብ ዝቕጽል ጸወታ ሓለፈት።

ኣብ ካልኣይ ግጥም ምስ ጋንታ ኢስማዒልያ (ግብጺ) ብምጽዋት፣ ኣብ ካይሮ ሓንቲ ብኣማኑኤል ዓቴ ካልኣይቲ ካኣ ብቴድሮስ ተኽሊት ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ፣ ማዕረ ወጺኣ። ኣብ ኣስመራ ካኣ ዜሮ ብዜሮ ስለ ዝወጻኣ፣ ንዓባይ ጋንታ ኢስማዒልያ ብምትራፍ ናብ ዝቕጽል ግጥም ሓለፈት።

እቶም ” ኣብ ጋንታ ቐይሕ ባሕሪ ክንሕንብስ ኢና” ኢሎም ዝብሃሉ እሞ፣ ተሃንዲዶም ዝመጹኡ ተጻወትትን ደገፍትን እታ ጋንታ ካኣ ኣብ ስታዲዩም ኣስመራ፣ ዕዳጋ ከም ዝሓሰብዎ ስለ ዘይጸነሖም፣ ደኒኖም በኸዩ።

ሳልሳይ ጸወታ ምስ ሓንቲ ሕጂ ስማ ዘይዝክራ፣ ጋንታ ናይ ሃገረ ሞዛምቢክ ኮይኑ፣ ኣብ ሞዛምቢክ ሰለስተ ብሓደ ተሳዒራ፣ ኣብ ካልኣይ ግጥም ኣብ ስታዲዩም ኣስመራ ግን 1 ብ 0 ሲዒራ፣ እንተኾነ ብድምር ጎል 3 ብ 2 ስለ ዝተበልጸት ካብቲ ዉድድር ክትወጽእ ተገዲዳ። ኣብቲ ግዜ ካኣ ንኩሉ ኣፍቓሪ ስፖርት ብፍላይ ካኣ ንኣፍቀርቲ ኩዑሶ እግሪ ዘሐጎሰትን ዘይሃስስ ዝኽሪ ዝገደፈትን ጋንታ ኢያ።

ኣስማት ተጻወትቲ ናይዞም ኣብ ስእሊ ዘለዉ
ብርሃኑ ኣደም፣ ሙስየ ንርኣዮ ፣ቴድሮስ ተኽሊት፣ ኡሁሩ ጸጋይ፣ ኣኽሊሉ ተስፋይ፣ ቴድሮስ (ሰላምቢኒ)፣ ኤፍሬም ተወልደ፣ ኤፍሬም ኩሩፍ፣ ዓብዱሰላም፣ ፋኣድ ዓሊ፣ ኣቤል ኣፍወርቂ ኢዮም።

ዋላ እኳ ቲፎዞ ናይ ጋንታ ኣዱሊስ እንተነበርኩ፣ ጸወታ ናይ ኤልፓ ክሓልፈኒ ግን ይደሊ ኣይነበርኩን፣ ኣየሕልፍን ዉን ነይረ። ኣዱሊስን ኤልፓን ክጻወታ እንከለዋ ካኣ፣ ከምዚ ናይ ሕጂ ንገሌኹም ሪያል ማድሪድን ባርሴሎናን፣ ንዓና ከሙኡ ኢዩ ነይሩ lol

ሰነድ

Saba Kidane ተጻሕፈ-ብ:

ርእይቶ ንምግዳፍ ኣይትቀደሙ

መጽሓፊ ሓሳባትኩም

ኣይትሰከፉ! ኢመይልኩም ኣብዚ ገጽ እዚ ኣይክረኣይን እዩ። Required fields are marked *