ጽባሕ:እቲ ሎም መዓልቲ ኣብ ክልተ መሳጊድ ኒውዝላንድ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ክሱስ ናብ ፍርዲ ክቐርብ እዩ። ንሱ ነቲ መጥቃዕቲ ኣብ ፋይስቡክ ላይፍ ቪድዮ እናኣሕለፈ እዩ ፈጺምዎ።

 

ሚ ዓርቢ ኣብ ኒውዝላንድ ኣብ ልዕሊ ክልተ መስጊዳት ብዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቓዕቲ ብውሑዱ 49 ሞይቶም ኣለዉ። ኣብታ ክሪስትቸርች ዝተባህለት ከተማ እቲ ኣብ እዋን ጸሎት ኣብ ዝነበሩ ኣመንቲ ን6 ደቓይቕ ዝቐጸለ ባርባራዊ መጥቃዕቲ20 ብከቢድ፣ሓያሎ ድማ ብፈኲስ ምቑሳሎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ፖሊስ እታ ሃገር ብተወሳኺ፣ነቲ ጉዳይ ውዒለሞ ዝበሎም 4 ሰባት ኣብ ቀይዲ የእትዩ ከም ዘሎን ኣብ መንጎኦም ድማ ጓል ኣንስተይቲ ከም ዘላቶምን ከም ከምኡ እውን እቲ ቀንዲ ሃንዳሲ ድማ ኣውስትራልያዊ ምኳኖም ተበጺሑ ኣሎ።
ብዘይካ እዚ እውን ኣብ ከባቢ እቲ መስጊድ ኣጽዋር ዝዓጠቓ መካይን ይርከባ ምህላወንን እቲ ተፍትሽ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ዘሎ ዕሉል የማናዊ መንእሰይ ነቲ መጥቓዕቲ ቕድሚ ምፍጻሙ፣ ነቶም ዝጽልዩ ዝነበሩ ሰባት ዘዝነቦ ተዂሲ ኣብ ላይፍ ቪድዮ ናይ ፈይስቡክ ዘካየዶን ፣እቲ ቪድዮ ብቕልጡፍ ከም ዝተላዕለን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ “ሃገርና ሃገረ ሕያውያንን ብሩኻትን፣ ሃገረ ብዙሕነታትን ሓድነትን ብምዃና እንተኾንና ዕላማ ጌርኩምና ዘለኹም ተጋጊኹም፣ ንሕናስ በዚን ወዲ ኸምዚን ከምዘይንሰናበድን እነስምረሉ ጉዳይ ምኳኑ ነዘኻኽር!” ትብል

እታ ልዕሊ 450ሽሕ ነበርቲ ዘለዋ ከተማ፣ ዝተፈላለየ ዓሌት ወዲሰብ ብሓባር ዝነብሩላ ብጭውቲ ከተማ ከም ዝኾነ መዛግብታ ይሕብሩ። እንተኾነ ሕጂ ኣብ መንጎ ነበርታ ብርቱዕ ራዕዲ ኣትዩ ይርከብ።
ኒውዝላንድ ካብ ኣውስትራልያ ናይ 2,000 ማይልስ ርሒቓ እትርከብ ዓባይ ደሴት እያ።
ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር እቲ ዝጸልመተ መዓልቲ ናይ ኒውዝላንድ ክትብል ገሊጻቶ ዘላ ፍጻመ ፣ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ቀዳመይቲ ምኒስተር፣ ተሬዛ ሜይን ካልኦትን ናይ ሓዘን መልእክቶም ክሰዱ ጀሚሮም እነሀዉ።
ጽንዓት ንቤተሰብ ግዳያይ
መንግስተሰማይ ንመወትቲ

ሳባ ኪዳነ
15/03/2019
ፓሪስ

ሰነድ

Saba Kidane ተጻሕፈ-ብ:

ርእይቶ ንምግዳፍ ኣይትቀደሙ

መጽሓፊ ሓሳባትኩም

ኣይትሰከፉ! ኢመይልኩም ኣብዚ ገጽ እዚ ኣይክረኣይን እዩ። Required fields are marked *