ኣይፋሉን!
ምስ ብዙሓት ዘረባ
ተዛራባይ ገይርዎ
ስሚዐ ኣብ ቀረባ።
*
ባህሪ ናይቲ ስርሓ
ሰብ ምእላይ ካብ ጽይቂ
ስድታት በዚሖም ተጸሚዳ ኣብ ቆይቂ
የግዲ ትንግርም ማለት ድዩ እቲ ሓቂ?
*
ኣብቲ ክፍሊ ሬሳኸ
ዝሰርሕ እከለ
ሬሳ ኣፋንዩ
ሬሳ እናተቐበለ፡
ምስ ዘይሰምዖ
ምስ ዘይርእዩ
ምስ ዘይስሕቁ
ምስ ዘይበኽዩ
እናወዓለ ክዝነብ ማለት ድዩ
ከምቲ ዝተባህለ።
መም. ተኽለ ተኸስተ
ርእይቶ ንምግዳፍ ኣይትቀደሙ