ምሩኻት
“ምሩኻት እናሓለፉ በቲ ጎደና
ምሩኽ ሰብኣያ ዝረኣየት
ወይዘሮ
ኣብ ብርኩ ወዲቓ
ንብዓታ ዝሕው’መሰበለቶ
ብኡ’ቢላ ሕማም ሕርሲ ሓዛ;
ሽዑ ሓደ ተጋዳላይ ምስቲ ምሩኽ
ኣሰንይዎ ሰበይቱ ከሕርስ።
‘ኣንታ እዞም ተጋደልቲ
ብሩኻት ብሓቂ!’”
ኢለን እንከዕልላ
ኣንስቲ እናዓለላ
ኣብ ዕዳጋ ሓሙስ፡ ፊት ጋርደን ሆቴል
ሰምዐት እዝነይ፡ ናይ ናጽነት፡ ፈለማ
ሰንበት።
ህጻን ሳባ ኪዳነ
1991 ኣስመራ
ርእይቶ ንምግዳፍ ኣይትቀደሙ