(ንጻወት፡ እንተበልኩሲ ካን ንኹሉ ናይቲ በይንኻ ዘይጽወት ምቁር ጸወታ ጥራይ እናወሰድኩሞ እኮ በቃ! እ ም.ኣላ ንስኩምስ ግናያት ክክክ እንድያሞ ደኣ)
ሕጂ ብ ቑጽሪን ግእዝን ኢና ገለ ሕብረ -ሓሳብ ክንፈጥር ፡ ጠንቐምቐም ክብል ዝፈተንክዎ እዩ፡ ድሕሪ ዓሙቕ ቋንቋዊ ዕላል ምስ ወዲ ትካቦ ምውጋዕና ምኽሳቱ ድማ ገሪምኒ
ብግእዝ? ብግእዝ ደኣ፡ እስከ ንፈትሽ እሞ ፍቓድኩም እንተኾይኑ ብኣይ ዶ ክጅምር?
ወላዲየይ ፡ ኣቦይ ኪዳነ ይበሃል
ስለዚ፡ብመሰረት ናይ ፊደላት ግእዝ ኣሰራርዓ እንተተመልከትና፡
ኪ(3) ዳ(4)ነ (1) ስለዚ ምስ ዝሓብር ድማ 3+4+1=8
ናይ ወላዲተይ ድማ ንርአ
ኢትዮጵያ እዩ ስማ
ኢ(3) ት(6) ዮ(7)ጵ (6) ያ(4) ምስ
3+6+7+6+4 =26
ዝሓብር ድማ 26 ይህበና
በዚ መሰረት እንተቐጺልና ድማ
ኣነ ሳባ እየ
ስለዚ
ሳ(4)ባ(4)
4+4=8
ሕጂ ናብ፡ ፈጠራዊ ጸወታና ንእቶናተይን ናይ ኣቦይን ካብ ናይ ኣደይ ዝወሓደ ስለ ዝኮነ ንደምሮ፡
8+8=16
ናይ ኣደይ ነምጽኣዮ
26-16= 10
ቑጽሪ 10 ኣብ ዙርይያና ምስ ዝፍትሻ
ኣነ ነቦይ 10 ውላዱ ነደይ ድማ ቦኽራ እየ! ክሪኦ ፈቲነስ ምስ ነብሰይ ስሒ*****
በዚ መልክዕ ንደቀይ ፈቲሸዮም
በታ ዝነኣሰት ጓለይ ክጅምር
ሞናሊዛ ትበሃል
7+4+3+4=18
ናይ ኣቦኣ፡ ስም ደሳለ ይበሃል
ደሳለ
1+4+1=6
ምስ ናተይ
ሳባ
4+4 =8
8+6=14
ነታ ቁጽሪ ኣለጻጺለ ምስ ረኣኽዋ ንሳ ነቦኣ ፋልመይቲ ፡ ንዓይ ድማ ራብዐይቲ እያ
18-14=4
ኬፍ ዘለዎ ጸወታ ምሽ ክክክክ
ኣብዚ ጥራይ ኣይትርሓጽረን
እሞ ናይ ዝቕጽል ግእዛዊ ጸወት ኣብ ዝመጽእ ረቡዕ ዶ ይኹነልና ?
ተቋጺርኩም ኣይበለና
ሳባ ኪዳነ©
ፓሪስ
24/10/2018
ደስ ዝብል ቅማረ እዩ:: ብኸምዚ ዝምዕብል ሂወት ብ ቃንቃና ኣገዳሲ እዩ ናዓና. እቲ ሓሳባትኪ ውን ደስ ኢልኒ. ሓደ ዝፈልጦ ይሁዳዊ ዓርከይ ግእዝ ይምሃር ከም ዘሎ ኣብ ጀርመን የዕሊልኒ ኔሩ. ኣነስ ዘይምሃሮ ወይ ዘይፍትሾ ዝብል ሓሳብ ሓሲበ ሞ. ግእዝ ክምሃር ወይ ከጽንዕ ሲ ካበይ ብከመይ ክብገስ ይኽእል. የቀኔለይ ሳባ::
ኣዝኺ ዕውቲ ጏል ኣንስቱይቲ ብጣዕሚ እየ ዘድንቐኪ ቀፅልዮ ዝሓፍተይ ኣነ ውን ዳርጋ ይፈታትን እየ ንኣሽቱ ግጥምታት ኣብ ፌስ ቡክ ኖት ክትረክብዮም ትክርሊ ኢኪ ብምጥቕላል ኣዚኺ ንጥፍቲ ገጣሚትንዋዛ ምስ ቁም ነገር ሓዘል ትሕዝቶታኪ መሱጥቲ እዮም ሰሰናዮ!
ሳሉረ ????
ኣሃሃ! ኣላ ሳቢ ሓፍተይ፡ ወትሩ ኬፍ ኣለኪ