ትንፋስኪ ኣብ ኣፍንጫይ ምህላዉ
ምስልኺ ኣብ ኣዒንተይ ብምቕማጡ
ዘስዓቦ ግዲ ኮይኑ
እዚ ኩሉ ኣብ በበይኑ ስፍራ
እናሃለና
ኣለኺ ምሳይ ኢለ፡ ኣብ ጎነይ ከም ዝሓደርኪ
ሃሰስ ኢለዮ ዓረተይ፡ኣብኡ ክረኽበኪ
ኣይጸናሕክንን
ሻቡ!
ከምዚ ቅድመይ ዝተሳእኪ
መሲሉኒ
ንክሪኤኪ ኢለ
ነዛ ገዛ ውለድያ’ለ
እንተ ፈተሽኩ
ኣይረኸብኩኽን
እኹን’ምበር
ኣይኣመንኩዎን ምስኣን
ንደገ ወጺኺ ከይትኾኒ
ኣብኡ ከይትህልዊ
ብምባል
መስኮት ከፊተ
ንደገ ኣማዕድየ
ኣብኡ ‘ውን ኣይነበርክን
ድሓር ግን ትዝገርመኪ
ኣብ ኩሉ ምስ ስኣንኩኺ
በዓልቲ ርሑቕ ኣብ ልበይ ጸኒሕኪ።
ገዛኢ ነጋሲ
(መንኮሰ)
2019
Rien à dire 🤔ጎረቤተይ ኣገናዕ ሓው ገዛኢ👍