ፊደል ፀ
ንፀሓይ ርኤያ ዓይነይ ኣጸምቲለ
ሰንጣቒ ሕንጻጻ ክፍላ ዝገመዐ
ፊደል ፀ ትርኢታ በምሳላ እተፈጥረ
ብኣርኣየ-ፀሓይ ከም ፊደል ዝቖመ፣
ዘበን ብሓባብስቲ ኩሉ እንከሎ እንጌራ
ኣታ ዛ ፀሓይ’ወ መዋህረር ‘ያ ኔራ
መትንታት ዝፈትሕ ሃሩረ-ሙቐታ
እዛ ጸሓይ እዚኣ እዛ ሎሚ ዘላ
ብሕት ግልል ኢላ ዘርሓቐት ሰፈራ
ጓጚና እንድኣላ ማይ መሊኡ ከብዳ
ብ “ጸ” ጻጸ ጸሓይ ተጻሒፋ
ከመይ ድያ ነዲዳ ቅርኒብ ዓይና ንላዕሊ ገንጺላ
ከይዳ ሽዑ ናብ ሰማይ ጠሊቓ
ገብገብ ኣበለትና ኣስናንና ሓቒማ
ዝባና ቆርፊዱ ወድኣና ኣስሓይታ
ጻጸ ቀይርናያ ብናይ ፊደል ጌጋ
ፀ ፀሓይ ንጽሓፋ ተተመልሰ ልባ፣
ወዲ ዃዳ 2001
ርእይቶ ንምግዳፍ ኣይትቀደሙ