ንሰንበትና
” ህይወት ላምፓዲና እንተኾይና፡ ብሙዚቃ ኣንጠልጥላ”
ሳባ ኪዳነ®
” ብዘይ ሙዚቃ፡ ህይወት ጌጋ ምኾነት “
ፍረደሪክ ዘይትዝሸ
” ደርፊ ዓደይ ሒዘ እንተዘይስደድ፡ መከራይ ብ 1000 ምረብሐ”
ሳባ ኪዳነ®
” ህይወይ ብመስኮት ሙዘቃ እየ ዝርእያ”
ኣብለርት ኣንስታይን
” ሙዚቃ ዘይነግፎ ደሮና ናይ ትዝታ የሎን”
ሳባ ኪዳነ®
” ጽቡቕ ነገር ናይ ሙዚቃ፡ ክሃርመካ እንከሎ ዘየሕምም ምኳኑ እዩ”
ቦብ ማርልይ
” ሙዚቃ ሙዚቃ ክሽትት እንተደሊኻዮ ግርህነና ዕጠኖ”
ሳባ ኪዳነ®
” ሙዚቃ እቲ ዝለዓለ ውህደት ናይ ልቦናን ፊሎዞፊን እዩ”
ሉድዊንግ ቫን በትሆቨን
* “ኣነ፡ ኣነ ኮይነ እንተዘይፍጠር፡ ሻምብቆ ኮይነስ ምበቖልኩ በለት ኣፍ”
ሳባ ኪዳነ ®
” ቀባእቲ ኣብ ግቱር ዓለባ፡ ሙዚቀኛታት ድማ ኣብ ጽሞና ሙዚቃ ይቐብኡ( ይጻወቱ)
ልዮፖልድ ስቶኮዊስኪ
” ከበሮን ርድኡኒ እንክብል፡ ጭራ ዋጣ ድማ ኮሸምሸም ተራእይዋ”®
ሳባ ኪዳነ
” ዋላ እቲ፡ ደስ ዘየብል ዛንታ፡ ብዜማ ክሰምዖ ደስ ከምዝብለኒ ኣይትገረሙ”
ቶም ዋልትስ
” ባናና ምርጋጽ-ምርጋጹስ፡ ኣብ ኣፍደገ ላጌቶ (ለይታዊ ትልሂት) ርገጽ ፡በለ ንፋስ” ®
ሳባ ኪዳነ
” ሙዚቃ፡ ነቲ ቃላት ዘየረኻኽበሉ ክፋል ናይ ልቢ ዘበጽሕ ስነ-ጽሑ ናይ ልቢ እዩ”
ኣልፐነስ ደ ላ ማርቲኒ
* ቅዩም ምስገረፈ፡ ቁማርተኛ ምስ ወገፈ ዘፍቀረ ምስ ደረፈ፡ ሽዑኸ እንታይ ተረፈ? ®
ሳባ ኪዳነ®
” ደሓን! ምብራር ምሽ ኣይተማሃርኩን፡ እንቋዓሰይ ደኣ ሙዚቃ ተመሃርኩ ብዘይ ክንፊ ዘብርር”
ጂኤም ባሪን ምስ ፐተር ፓንን
“ልግሲን ከም ሙዚቃ፡
መጻወትን ከም ጭቃ ጥራይ እንተዝኾኑ”
ሳባ ኪዳነ®
” መን ምኳንካ ክነግረካስ፡
እንታይ ዓይነት ሙዚቃ ከም ትሰምዕ ንገረኒ”
ቲፋኒ ደ ባርቶሎ
” ዜማን ግጥምን፡ ማይዶ ጸባ እንክጻወቱ
ማሰን ኣውሎን ደቂ ሞንጎ መፍቶቶም”
ሳባ ኪዳነ®
” ሙዚቃ ምግቢ ናይ ፍቕሪ እዩ እሞ፡ ኣይትንሓፎ”
ዊልያም ሼክስፔር
* ኣደይ ዝመዓደቶ፡ ዓባየይ ዝመረቐቶ፡ሓትነይ ዝደረፈቶ ፡ ኣሞይ ዝዓለለቶ፡ ወትሩ ጥሉል ከም መሬት ንግሆ
ሳባ ኪዳነ®
እሞ ብናትኩም ጥቕሲን ንሙዚቃን፡ ብምግባዝ ደስ ዝብለኩም ሙዚቃ ክንገጫጨብ እንተተጸበኹ ኸ ኣብዛ ሰናይ ዝኮነት ሰንበት ንግሆ እዚኣ!?
ሳባ ኪዳነ 28/01/2018 ዝተጻሕፈ
ኣብ ፓሪስ
ርእይቶ ንምግዳፍ ኣይትቀደሙ