ኣብ ሰማይ ጥራይ ቀስተ-ደመና
ጋዜጣ የብልናን ትበጽሕ ኣብ ኢድና።
እታ ሓዳስ ኣድማስ፡ ዘይብላ ፍጥረት
ሓሳብ፡ ቃል፡ ሕሳብ ፡ፊደል ።
እቲ ጥዑም ንባብ፡ ከም መዓር ጽጌናይ
ብሕምምታ እንከላ ስኢናቶ ዓደይ።
ሰቲት ነጺፋ፡ ኣእምሮ ቓዲሩ
ፍትሒ ሃጢማ፡ምረት ተደርዲሩ።
ገለ ደሃይ የለን፡ ናይ ተስፋ መቓልሕ
ነዚ ስሩቕ ዘመን፡ መን ኮንዩ ዝመልስ!?
ሳባ ኪዳነ
23/09/2020
ፓሪስ
ንጋዜጣታት
ርእይቶ ንምግዳፍ ኣይትቀደሙ