ድራማ ቀደም – ድራማ ሎሚ
ኣብ ጕዕዞ ህይወት – ተደጋሚ፡
“ማንታ ስቃይ” ዘርእስታ
ብትረኻ ሕሉፍ -ህሉው ዛንታ
በብርእየትና
በብምስትውዓልና
ኣብ ቺነማ ተራኺብና
ተመሲጥና ተዓዚብና
ኣስተንቲንና፡ ትዝታታት ‘ናሓንፈፍና፡
ኣብ ዓወታ ስሒቕና
ኣብ ስቅያታ ነቢዕና
ኣብ ሓርነታ ኣስተንፊስና
ኣብ ግብኣተ-ግዝኣታ ተጨቚንና/ ተሸቝሪርና።
“ህላወዶ ይምርምሩ
ሰነድ ይዕቅቡ፡
ኣይስእኑን ይዀኑ’ባ
ካብ ክልቲኡ ‘ቲ ቀንዱ፡”
ኢሉ ሕሹኽታ ውሽጠይ ሓቲቱኒ
ነዕሩኽተይ ከይሓቶም ግን፡ ፍርሒ ጸቒጡኒ።”
*
ብ ዓወት መድሃኔ
Aweta Awetey
ርእይቶ ንምግዳፍ ኣይትቀደሙ