ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ‘መ ሙ’ ኡ ‘ፐ  ፑ’ ዶ ‘ተ ቱ’ ኡ ?

ሰብካ ክሳብ ዝኾነ ሃለዋቱ ምግባር ባህልና ጥራይ ኮይኑና ዘይኮነስ ፣ ክኸውን ዘለዎ ሰብኣዊ ባህሪን ሓላፍነታዊ ተግባር እዩ ።  ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ከኣ ከምቲ ‘ሀ ሁ ‘…. ኡ ‘ፐ ፑ’ ኡ ከምቲ እኳ ‘ መ ሙ… ፈ ፉ ኡ…… ቸ ቹኡ…. ጨ ጩኡ…. ገ ጓ ኡ… ዐ ዑ ኡን… ‘ ስለዘገድስ። ስለዝኾነ እከኣ እያ ጋዜጣ ሳባ ነዚ ስዒቡ ዝንበበ ጽሑፋት ከተጠራቕም ዝሃቀነት:

ስዒቦም ድማ ድሑፋት ኣብራሃም ተስፋላኡል፣ የውሃንስ ኣብራሃ፣ ደሳለ በረኸትን ከምኡ ድማ ጽሑፋት ናይ ቢቢሲ ኣብዚ ዛዕባ እዚ ብሓደ ክጥርነፉ እዮመ

( ዋላ እኳ ን ነብሰይ ካብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ከገልላ ወሲነ እንተነበርኩ፣ እንተኾነ ግን ብዛዕባ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ኣብ ዝተፈላለዩ ጽሑፋት ኣብ መራከቢ ብዙሃን ተጠቂዖም ድሕሪ ምምርኣየይ ከምዚ ይብል እነሀኹ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ። ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾኑ ሰባት ፣ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ድሕሪ ኣብ ወጻኢ ሃገር ክግበረሉ ድሕሪ ዝጸንሐ ሕክምና ንሃገሩ ከም ዝተመልሰ ዝብል ጽሑፋት ክጥቕዑ ኣንከለዉ። ብ ኻልእ ሸነኽ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ መዓልታት፣ እቲ ጀነራል ከም ዝሞተን ብ ምስጢር ከም ዝተቐብረን ዝብሉ ጽሑፋት ብቋንቋ ትግርኛ ይንበቡ ኣለዉ።

ካብ ዝእመኑ ምንጭታት ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ኸኣ፣ ጌና ኣብ ዱባይ ኣብ ከተማ ዝያድ ዝርከብ ወተሃደራዊ ሕክምና ከም ዘሎን እንተኾነ ግን ምሉእ ንምሉእ ከም ዘይሓወየን እዩ። ) 

Although I had convinced myself to withdraw from following the case, as I have read different posts regarding General Sebhat Ephrem, here I am again:
Before about two weeks or so, the Eritrean regime cheerleaders were widely sharing posts claiming that General Sebhat Ephrem had returned to Eritrea after receiving medical treatment abroad. Last two days I also read some posts in Tigrinya stating that he died and was secretly buried.
Based on credible sources: He is still in Abu Dhabi military hospital in rehab. He is in a stable condition, but not fully recovered.
30 ጥሪ

ኣብርሃም ተስፋልኡል

 

 

 

ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ብለይቲ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ሰላማት ደቂ ኤረ ቅድሚ ናይ ስብሓት ኤፍረም ምግላጸይ እቶም ኩሎም ናይ ህግደፍ ኣባላት ነውስወከፎም ናይ ስብሓት ኤፍረም ፕሮፋል ኣብ ገጻት ፈይስ ቡክ ክገብሩ ብመደብ ብትእዛዝ ኮነ ኢልካ ሙካኑ ሕብረተሰብ ንምድንጋር ኮነ ኢልካ ዝግበር ዘሎ እዩ ።

ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ዝኣክል ተሃሪሙ ከብቅዕ ኣበይ ኣሎ መንከ ሃሪምዎ ስለምንታይከ ክግለጽ ዘይተካእለ ፡እቲ ውዲት ባዕሉ ኢሰያስ ስለዝገበሮ ጥራሕ እዩ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ቅድሚ ምህራሙ ቅድሚ ሰሙን ኣብ ኣኼባ ናይ መሪሕነት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንወዱ ኣብርሃም ኣፈወርቂ ኣብቲ ኣኼባ ምስ መጸ ኣብ ውሽጢ ኣኼባ ስብሓት ኤፍረም እንታይ ኢካ ትገብር ዘለካ ምስ በሎ ፡ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንስብሓት ኤፍረም ኣይመለሰሉን ፡ስብሓት ኤፍረም ከኣ ኣኼባ ረጊጹ ወጽዩ ድሕሪ ሰሙን ነዛ ስርሒት ስብሓት ኤፍረም ከምዝህረም ስምኡን ገ/ድንግል ምስ ኢሰያስ ኣወሃሂዶም ከም ዝህረም ገይሮሞ፡ ሃራሚኡ ከኣ በሪሁ ዝበሃል ወዲ ጽልማ ጋርድ ናይ ኢሰያስ እዩ።
ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ማህረምቱ 100% ክድሕን ከምዘይክእል ምስ ኣረጋገጹ ንዱባይ ከምስሉ ባዕሎም ከምዘይገበርዎ ወያነ ከምዝገበረቶ ከምስሉ ዶብ ናይ ዛላንበሳ ዓጽዮሞ፡ ኣብዚኣ ኣስተውዕሉ ሰራዊት ናይ ኤትዮጵያ ካብ ዶብ ንክወጽእ ህዝቢ ትግራይ ክትወጹ ትኩሉ ኢኩም ብረት ግን ኣይትወድዎን ኢኩም ንሕና ስግኣት ኣለና ካብ ሻዕብያ ኢሎም ጠጠው ምስ ኣበልዎም ኢሰያስ ተጋይዩ ዶብ ሑሞራ ከፊትዋ፡ ስለዚ ኣብ ማህረምቲ ናይ ስብሓት ኤፍረም ወያነ ነጻ ኮይኖም ኣለዉ ማለት እዩ፡ ስለዚ ስብሓት ኤፍረም ንክህረም ኢሰያስ እዩ እቲ ጠንቂ ።
ስብሓት ኤፍረም ንዱባይ ክከይድ እንከሎ ኣብ ሆስፒትስል ናይ ዱባይ ከይበጽሒ መይቱ ነይሩ ፡ንሰበይቱ ኣብ ኢምባሲ ገዛ ሂቦም ካብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ካብ ቡጾቱ ዘረባታት እቲ ጠንቂ ንከይፍለጥ ኣብ ዱባይ ንበይና ነጺሎም ምስ ሰብ ከምዘይትራከብ ገይሮማ፡ ሪሱኡ ካብ ዱባይ መሊሶም ኣብ ኣስመራ ኣብ ሆስፒታል ሓይሊ ኣየር ሓቢኦሞ ድሕሪ ምጽናሕ ብለይቲ ወሲዶም ኣበይ ከምዝቀበርዎ ኣይፍለጥን፡ኣብ ደገ ከኣ ሰብ ንከይሓትት ኣባላት ህግደፍ ስብሓት ጅግና, ሓውዩ ተመሊሱ, ኣብ ኣስመራ ኣሎ,እንዳበልካ በዛ መርዛም 03 ይጋዋሕ ኣሎ።)

ጥሪ 28

የውሃንስ ኣብርሃ

*********

እዚ ጒሒላ’ዚ ሎሚ ዘይኰነስ፡ ኣብ 1973’ዩ ሞይቱ!! ሎሚ ቕኔ ግን ሃንደበታዊ መቕዘፍቲ ናይ ገለ ‘ስነ-ጥበበኛታት’ ክንሰምዕ ኢና፤
—–
ገለ ሰባት ብዛዕባ ሞት ስብሓት ኤፍረም ዝፈልጥ እንተ-ዀይነ ትውከሱኒ ኣለዂም። እፈልጥ እወ፥ ኣንዳዕ-ዲዐ ኸማን!! ስብሓት ኣብ 1973 ምስ ሓደ ጴጥሮስ ሰለሙን ዝተባህለ ካልኣዩ’ዩ ሞይቱ!!
እዞም ክልተ ጓሓላሉ ግን፡ ብሓባር ጥራይ ኣይኰኑን ሞይቶም። ኣብ 1952 እውን ብሓባር ኣብ ሓደ ዓመት`ዮም ተወሊዶም። ብሓደ ተማሂሮም፡ ብሓደ’ውን ናብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ተጸንቢሮም፤ ብሓባር ድማ ኣብ 1972 ናብ ሽፍትነት ወፊሮም። ኣቦታት ክልቲኦም ላዕለዎት እሙናት ንጒስ ሃይለስላሴ ነይሮም። ስብሓት በዓል ‘ባርዳእ ክኸውን እንከሎ፡ ጴጥሮስ ድማ ዓዲ ኸፈለት’ዩ። ኣብ ሓማሴን ዝርከባ ዓድታት ኰይነን፤ ሓውሲ ላዕላይን ታሕታይን ዓዲ (መላምንቲ ሓዊ’የን)።
ስለምንታይ ኢና ግን «ኣብ 1973 ሞይቶም!» ንብሎም ዘለና፧!
ብትኽክል፡ ምስታ «መንካዕ» ተባሂላ፡ ቀዳመይቲ ግዳይ ሽፍትነት ኢሳይያስ ዝዀነት ጒጅለ ንኽሞቱ እዩ ነይሩ ምድቦም። እንተ-ዀነ ግን ዕድል ኣይገበሩን። ናብ ሽፍትነት ድኣ ወጺኦም እምበር፡ ኣብ ቅድሚ ንጹህ-ሞት ደው ዘብሎም መዓንጣ-ሲ ኣይዓጠቚን ነይሮም። ተጣዒሶም!!
ንኢሳይያስ ድማ፡ «ካልእ ዝደለ ይዂን፤ ንሕና ግን ደርብና ቀቲልና ‘ለና!! ምስዛ ፊደላት ‘በ’ን ‘ሀ’ን ዘይትፈላሊ ጨጓር ዳንጋ ኴይና ብማዕረ ተሰሪዕና ከነገልግለካ ቃል ይዂነና!!» ኢሎም ኣእሚኖሞ። ካብዛ ሰዓት እዚኣ ድማ፡ ደርቦም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣውራ ቀልቦምን ሕልነኦምን’ውን ቀቲሎም።
ኣብ ዓለም፡ ልዕሊ ሕልንኡ ብሰናይ ፍቓዱ ዝቐተለ ሰብ ሓደገኛ ፍጡር የለን። ዝጠመየ ኣራዊት’ውን እንተ-ዀነ፡ ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዓይነት ሰብ መልኣኽ’ዩ። ካብዛ መዓልቲ’ዚኣ እዚኣ ኣትሒዞም ድማ’ዮም፡ ብዘይ ንሕስያ ኣሕዋቶም ከጽንቱ ዝጀመሩ።
እንተ-ዘየለ፡ እታ ወተግ ንጹሃት ዘንጥሩላ ዝነበሩ ስሕለት፡ ንኽሳዶም እውን ትምሕር ዘይምንባራ ኣንዳዕ-ዲዖም ይፈልጡ ነይሮም’ዮም!
ሕብረተሰብና፡ «ሞት ስትረት!» ዝብሎ ኣብ ከምዚ ኲነታት’ዩ። እዞም ክልተ ሰብ-መሰል ኣራዊት ድማ፡ ዕድለኛታት እንተ-ዝነበሩ፡ ኣብታ ሰዓት እቲኣ፡ ነቶም «መንካዕ» ዝተሰምዩ ኣሕዋቶም ዘጋጠመት እንተ-ተጋጥሞም ክንደይ ጸጋ ምዀነሎም። ድሕሪ ኣሕዋቶም ተሪፎም ዝወሰኽዎ ሓጥያት እምበር ዝባቘጥዎ ፍረ ኣይነበሮምን።
ይርድኣኒ እዩ፤ ገለ ሰባት ብዛዕባ ስብሓት ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ጴጥሮስ ምጽሓፈይ ጽቡቕ ተሰሚዕኲም ከምዘይ-ህሉ። ጴጥሮስ፡ ኣብ ሃብቲ ባሕሪ ኣብ ዝነበረልን ዳሕረዎት ግዝይኡ፡ ምስ ብዙሓት መማህርተይ ስለ-ዝነበረ፡ ብውሕዱ ኣብ ባጽዕ፡ ከም ሰብ ብቐረባ ይርእዮ ነይረ’የ። ኣዝዩ ሕውስን ሕያዋይን ሰብ’ዩ። ነቲ ቀታሊ፡ ግብረ-ሽበራዊ ውድብ ግን፡ ርህራሀን ሕያውነትን ዘድልይዎ ኣይነበሩን። ጭካነን ድንቊርናን እዮም ቀንዲ መሳርሒኡ ነይሮምን ዘለዉን። ብኸምኡ ድማ’ዮም፥ «ነቲ ዝተመሃርናዮ ደምሲስና፡ ናይ ደናቚር ገጸ-ባህሪ ተላቢስና ክንዋሳእ ኢና!» ኢሎም ዝመሓሉሉ ነቲ ኣርዮስ።
ብውሕዱ፡ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ እታ ጸኒሑ ዝጠፍኣላ ሽንጭሮ ዒላ-ዒሮ፤ እታ «ምስ ጀብሃ ‘ልጂና’ ነይርኲም!» ኢሉ ክንደይ ሰለማውያን ገባሮ እቲ ከባቢ ዘጥፍኣላ ሽንጭሮ – ባዕላ’ያ። ታሪኽ ምሕረት ንዝገብረሉ ፍጡር የብሉን!! ንሕና እንተ-መሓርናዮ፡ ደም እቶም ንጹሃት-ከ ኣየእዊ ዶ፧!!)

 

ደሳላ በረኸት

 

 

 

********

ኤርትራ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ጅግና፣ ሓራቕ፣ ውፉይ ዶ ፈራሕ?

ወዲ ኤፍረም ዕባይ ከተማ ኣስመራ’ዩ። ናይ ቃልሲ ብጾቱን ብቐረባ ዝፈልጡዎ ሰባትን፡ ንጀነራል ስብሓት ብስም ኣቡኡ “ወዲ ኤፍሬም” ኢሎም እዮም ዝጽውዑዎ።
ኣብ መሪሕ ውድብ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ርኡይ ተራ ካብ ዝነበሮም ሙኩራት ተጋደልቲ ሓደ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም እዩ።
ምስ በዓል ጴጥሮስ ሰሎሞን፣ ተኪኤ ተስፋልደት፣ በራኺ ገብረስላሰ፣ የማነ ዳዊትን ካልኦትን ኣብ 1972 ዓመተ ምሕረት ብቆጻጽራ ፈረንጂ፡ ናብ ህዝባዊ ግንባዊ ተጸንቢሩ።

ፖለቲካዊ መጽሓፍቲ ኣንቢቦም፡ ብዛዕባ መንነት፣ ናጽነትን ዴሞክራስን ብምምሃር፡ ደረጃ ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ምዕባይ ንጡፍ ተራ ምስ ዝነበሮም ስሙያት ተጋደልቲ እዩ ዝምደብ ጀነራል ስብሓት።
ስብሓት፡ ብርቱእ ኣንደበቱ፡ ንኣሽሓት መንእሰያት ንቓልሲ ኣበራቢሩ፣ ምስ ሓይሊ መጋጥምቱ ኣመዛዚኑ “እዚ ሰውራስ እምበር’ዶ ክዕወት’ዩ” ዝብል ዝነበረ ስክፍታን ጥርጣረን ኣልዚቡን ኣእሚኑን።
ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብምምሃር ትርጉም ናጽነት ሰቢኹ፣ ሓፋሽ ውድባት እቲ ሰውራ ናይ ሰዓሪ መንፈስ ከማዕብላን ክጥርያን ድማ፡ ፖለቲካዊ ፍልጠት መጊቡ።

ድሕሪ ናጽነት ግን ስብሓት ከም ቀደሙ ኣይነበረን፤ ብውሕዱ ትጽቢት ህዝቢ ኣብ ምምላእ ኣይተግሀን ተባሂሉ ይሕመ እዩ።

“ከም ሰብ ተጓዳኣይ ኣይኮነን…ሓሪቑ ኣይትረኽቦን”
ኣካያዲ ስራሕ መገዲ ኣየር ኤርትራ ነበር ክብሮም ዳፍላ፡ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ዓዲ ጥልያን ተመዲቡ ኣብ ዝስርሓሉ እዋን፡ ንጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ብተደጋጋሚ ብኣኽብሮት ተቐቢሉዎ’ዩ።
ወኪል ህዝባዊ ግንባር ኮይኑ ዓመት ዓመት ናብ ቦሎኛ ዝመላለስ ዝነበረ ወዲ ኤፍሬም፡ ንወተሃደራውን ፖለቲካውን ምዕባለታት ሜዳ ብምግላጽ ኣብ ስደት ናይ ዝነብር ኤርትራዊ ሞራል ብምድራዕ፡ ኣብ ቃልሲ እጃሞም ንኸበርክቱን ሓድነቶም ንኸሐይሉን ይሰርሕ ነይሩ።
መገዲ ኣየር ኤርትራ ብቦርድ ይመሓደር ምንባሩ ዘዘኻኽር ክብሮም ዳፍላ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ግን ብፕሬዝደንት ኢሳይያስ ተላኢኹ መጽናዕቲ ክገብር ይመጽእ ምንባሩ ብምግላጽ “ፕረዚደንት ዝኣምኖ ፍሉይ ልኡኽ ምኻኑየ ዝፈልጦ” ይብል።
ቀጺሉ፡ “ወዲ ኤፍሬም ካብ ሰቡ ንላዕሊ ውፉይ ኣይኮነን” ይብል እሞ፡ ግን ከኣ ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ወተሃደራዊ መራሕቲ ግንባር ምንባሩ ይገልጽ።

ኣብ 1971 ዓመተ ምሕረት ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተሰለፈን፡ ንሕቶ ለውጢ ጉጅለ-15 ብምድጋፉ ካብ ሃድን እቲ ስርዓት ኣምሊጡ ንሰሃራ ብምርኩስ ጨዲዱ ነብሱ ዘድሓነ ሓደ ካብቶም ናይ መጀመርታ ስንኩላት ኲናት ሰውራ ተጋዳላይ ኣበድ ተስፋይ፡ “ጀነራል ስብሓት ሓደ ካብቶም ኣብ ቃልሲ ሓርነት ዓቢ ተራ ዝነበሮም ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ንፉዕ ወዳባይ” ምዃኑን ይገልጾ።
“ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓድነቱ ኣትሪሩ ጸላእቱ ንክስዕር፡ ሓያል ፖለቲካዊ ጎስጓስ ካብ ዝገበሩን፡ ሕቖ ጸላኢ ዝሰበረ ስርሒታት ዝመርሐን፡ ነቲ ሰውራ ካብ ዘዐወቱ በላሕቲ ሰባት ሓደ እዩ” ይብል ተጋዳላይ ኣበድ። ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም “ሰብ ዘይጓዳእን ልኡሙን” ምዃኑ እውን ብምግላጽ።
እዚ’ውን ኮይኑ ግን፡ ‘ወዲ ኤፍሬም’ ጽቡቕ ናይ ዘረባ ክእለት ዘለዎ መዳሪ፡ ህዝቢ ዝውድብን ዘነቓቕሕን መሃሪ፡ ሓላፊ ክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ብምንባሩ ኣብ ህዝቢ ተፈላጥነት ከም ዘሕደረ ይነግር ክብሮም ዳፍላ።

“ናብ ቃልሲ ክጽንበር እንከሎ ብዕድመ ካብቶም ዝነኣሱ ብምንባሩ፡ ክዛረብ እንከሎ “ኣንታ ክንደይ ይነፍዕ’ዩ?’ ብምባል ህዝቢ ይኣምኖ ነይሩ” ዝብል ክብሮም ዳፍላ፡ ናብ ቦሎኛ ክመጽእ እንከሎ ዝተገብረን ዘይተገብረን ሓዊሱ ሰጋእ እንከይበለ ህሉው ኩነታት ሜዳን ምዕባለታትን ዝገልጽ ክኢላ መዳራይን ንፉዕ ወዳባይን ምንባሩ ይዝክር።
“ልዕሊ ዝኾነ ግን “ወዲ ኤፍሬም’ ሓሪቑ፣ ኣንጸርጺሩ ኣይትረኽቦን” ዝበለ ክብሮም፡ ቐስ ኢሉ እናተዛረበ፡ ብድሕሪት ሓያል ስራሕ ዝሰርሕን መልእኽቲ ኢሳይያስ ብዝግባእ ዘፈጽምን ሰብ መሲሉ’ዩ ዝስመዐኒ ይብል።
“ሃለዋት ህዝቢ ዝልውጥ ስራሕ ኣይሰርሐን”
ጀነራል ስብሓት፡ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ዘሕደረ፡ ኣብ ገድሊ ልዑል ግደ ዝነበሮ መዳርን ወዳብን እኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዘለው ነዊሕ ዓመታት ግን እዚ እዩ ዝበሃል ዝድነቕ ተራ ኣይነበሮን ይብሉ ክልቲኦም ፈለጥቱ።

“ንለውጢ ዝኸውን ስራሕ ሰሪሑ ክብሎ ኣይክእልን። ከምቲ ሙኩርን በሊሕን ምንባሩ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ለውጢ ንክመጽእ ዝገበሮ ነገር የለን፤ ብዝያዳ እኳ ደኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እናነጸሎ እዩ መጺኡ” ይብል ተጋዳላይ ኣበድ ተስፋይ።
ተጋዳላይ ክብሮም ዳፍላ እውን ንርእይቶ ኣበድ እዩ ዝድግፍ፡ ቅድሚ ናጽነት ሓያል ናይ መሪሕነት ተራ ዝነበሮም 13 ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ መስከረም 2001 ኢሳይያስ ንብዙሓት ካብኣቶም ኣሲሩዎም።
ንክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ዝመርሐ፡ ገዳይም ብጾቱ፡ ሕቶ ለውጢ ስለ ዘልዓሉ ክእሰሩ እንከለው፡ ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም’ውን ሓደ ካብቶም ቃልሲ ህዝቢ ዘፍረዮም ተጋደልቲ እዩ።
“እዚኦም፡ ኹሉ ሰብ ዝፈልጦም፣ ብኣኽብሮት ኮነ ስልጣን ትሕቲ እግዚሄር ዝነበሩ’ዮም። ድሕሪ ናጽነት ግን ተርኦም ዳርጋ ኣይተርኣየን። እቲ ምኽንያት ከኣ፡ ኢሳይያስ ስለ ዘይደለየ እዩ” ይብል ክብሮም።

“ሃለዋት ህዝቢ ዝልውጥ ስራሕ ኣይሰርሐን”
ጀነራል ስብሓት፡ ኣብ ህዝቢ ተቐባልነት ዘሕደረ፡ ኣብ ገድሊ ልዑል ግደ ዝነበሮ መዳርን ወዳብን እኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዘለው ነዊሕ ዓመታት ግን እዚ እዩ ዝበሃል ዝድነቕ ተራ ኣይነበሮን ይብሉ ክልቲኦም ፈለጥቱ።
“ንለውጢ ዝኸውን ስራሕ ሰሪሑ ክብሎ ኣይክእልን። ከምቲ ሙኩርን በሊሕን ምንባሩ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ለውጢ ንክመጽእ ዝገበሮ ነገር የለን፤ ብዝያዳ እኳ ደኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ እናነጸሎ እዩ መጺኡ” ይብል ተጋዳላይ ኣበድ ተስፋይ።
ተጋዳላይ ክብሮም ዳፍላ እውን ንርእይቶ ኣበድ እዩ ዝድግፍ፡ ቅድሚ ናጽነት ሓያል ናይ መሪሕነት ተራ ዝነበሮም 13 ኣባላት ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኣብ መስከረም 2001 ኢሳይያስ ንብዙሓት ካብኣቶም ኣሲሩዎም።
ንክፍሊ ህዝባዊ ምምሕዳር ዝመርሐ፡ ገዳይም ብጾቱ፡ ሕቶ ለውጢ ስለ ዘልዓሉ ክእሰሩ እንከለው፡ ሚኒስተር ምክልኻል ዝነበረ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም’ውን ሓደ ካብቶም ቃልሲ ህዝቢ ዘፍረዮም ተጋደልቲ እዩ።
“እዚኦም፡ ኹሉ ሰብ ዝፈልጦም፣ ብኣኽብሮት ኮነ ስልጣን ትሕቲ እግዚሄር ዝነበሩ’ዮም። ድሕሪ ናጽነት ግን ተርኦም ዳርጋ ኣይተርኣየን። እቲ ምኽንያት ከኣ፡ ኢሳይያስ ስለ ዘይደለየ እዩ” ይብል ክብሮም።

ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፡ ወተሃደር ስለ ዝነበረ፡ ኣባላት ሰራዊት ዝነበሩን ዘለውን ከም መራሒኦም ይፈልጡዎ፡ ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳር ስለ ዝሰርሐ ከኣ ህዝቢ እውን ኣጸቢቑ ይፈልጦ እዩ።

ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ 1994፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ስሙ ናብ ህዝባዊ ግንባር ዴሞክራስን ፍትሕን ክቕይር እንከሎ፡ ኢሳይያስ ባዕሉ መሳርሕቲ ስለ ዝሓረየ ንከም በዓል ስብሓት ኤፍሬም፣ ማሕሙድ ሸሪፎ፣ ጴጥሮስ ሰሎሞን፣ ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ)፣ መስፍን ሓጎስ ዝኣመሰሉ፡ ዝጥመቱ ገዳይም መጓዕዝቱ ኣብ መሪሕነት ህግደፍ ከም ዘይመጽኡ ተጋዳላይ ኣበድ ይዛረብ።
ይኹን’ምበር ዝብል ኣበድ፡ ኣብ 2001 ብጉጅለ 15 ዝተሰምዩ ሓያሎ ካብኣቶም “ቅዋም ኣብ ስራሕ ይውዓል፡ ክብሉ እንከለው፡ ወዲ ኤፍሬም ምስኦም ኮይኑ ለውጢ ኣይሓተተን፡ ኣጽቂጡ’ዩ ምስቲ ስርዓት ቀጺሉ።
ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻልን ጸዓትን ማዕድንን ከኣ ከም ስማዊ ሚኒስተር ተቐሚጡ ጸኒሑ ብምባል “ድሕሪ ናጽነት፡ ከምቲ ክኸኖ ዝግበኦ ህዝቢ ዝጠልቦ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ኣይተግሀን፡ ኣረ ኣብ ገሊኡስ ዓንቃፊ’ውን ነይሩ” ብምባል ይገልጾ።
ክብሮም ዳፍላ’ውን እንተኾነ “ወዲ ኤፍሬም ነቲ ምትሓት ክሳብ ሕጂ ተቐቢሉዎ ይኸይድ ኣሎ። ካልኦት ስለ ምንታይ ከምዚ ዘይኸውን ክብሉ እንከለው፡ ንሱ ግን ኣይተዛረበን” እዩ ዝብል።

ማህረምቱ እንታይ ይሕብር?

ጀነራል ኤፍሬም ስብሓት ተሃሪሙ ኣብ ሕክምና ምህላው እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝተባህለ ነገር የሎን።
ማህረምቱ ግን ኣዘራራብን ዝተፈላለዩ ግምታት ዘተኣናግድ ዘሎን ኮይኑ፡ ኣብ ህዝቢ ጽቡቕ ስምዒት ክፈጥር ከም ዘይኽእል’ውን ፈለጥቱ ይዛረቡ።
ጀነራል ስብሓት፡ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኮነ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን፡ ከም ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ስራሕ መንግስቲ ርኡይ ተራ ኣይጸንሖን’ዮም ዝብሉ መቓልስቱ።
“ከም ዘይሰርሕ’ዩ ኮይኑ ተቐርቂሩ ጸኒሑ። ናይ ነገር፣ ናይ ህልኽ ሰብ ግን ኣይኮነን፡ ካብዚ ተበጊስና እዝን እዝን’ኳ እንተዘይበልና፡ ማህረምቱ ግን ውዲት ክኸውን ይኽእል’ዩ” ይብል ተጋዳላይ ኣበድ።
ኣቶ ክብሮም ዳፍላ ግን በቲ ሓሳብ ኣይሰማማዕን። ካብ መንግስቲ እትረኽቦ ጥሉል ሓበሬታ ስለ ዘይህልወካ፡ ውዲት ክኸውን ይኽእል ኢልካ’ኳ ክትሓስብ እንተተገደድካ፡ ግዳይ ናይ መንግስቲ ክኸውን ይኽእል እዩ ግን ኣይብልን ይብል።
“እዚ ቑጥዐ ናይ ህዝቢ’ዩ። ህዝቢ ንስብሓት ከም ፈታው ነብሱን ጎራሕን እዩ ዝርእዮ። ሰባኺ ፍትሕን ዲሞክራስን ነይሩ ከብቅዕ ምእንቲ ፍትሕን ደሞክራስን ብቓልዕ ምንም ኣይተዛረበን።”
“መዛንኡ ኣባላት ጉጀለ-15 ክእሰሩ እንከለው ስለ ዘጽቀጠ” ብመንግስቲ ምንም ዝመጽኦ ዘሎ ኣይመስለንን” ይብል ክብሮም።
“ኣብ ልዕሊ መራሕትን እቲ ስርዓትን ጽልኣት ስለ ዝማዕበለ፡ ዝኾነ ሰብ ካብ ናቱ ተበጊሱ ዝኾነ ነገር ዝገብረሉ ግዜ በጺሑ ክኸውን ይኽእል’ዩ” ዝብል ኣቶ ክብሮም፡ ምናልባት ዝሓረቑ ወተሃደራት ወይ ካልእ እምበር፡ መንግስቲ ክገብሮ ይኽእል እዩ ዝብል ጥርጣረ ከም ዘይብሉ ይሕብር

ቢቢሲ ትግርኛ

ብ 25 ታሕሳስ ዝተጻሕፈ 2018

**********

ኤርትራ፡ ሚኒስተር ስብሓት ኤፍረም ‘ተሃሪሙ’ ዝብሉ ጸብጻባት ይስምዑ

ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ኤርትራ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም መንነቶም ብዘይተገልጸ ሰባት ከቢድ መጥቃዕቲ ከም ዝወረዶ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ክዛረቡ ቀኒዮም።
ጀነራል ስብሓት ተሃስዩ ከም ዘሎን፡ ንሕክምና ናብ ወጻኢ ሃገር ከም ዝተሰደ’ኳ ይዝረብ እንተሃለወ፡ መንግስቲ ብዛዕባ’ቲ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ይኹን፡ ኩነታት ናይቲ ጀነራል ዝሃቦ ወግዒዊ መግለጺ ኣይነበረን።
እንተኮነ ግን፡ ናይ ኤርትራ ኣምባሳደር ኣብ ጃፓን እቲ ፍጻመ ክውን ከም ዝኾነ ዝገልጽ ናይ ትዊተር መልእኽቲ ጽሒፉ።
“ንስብሓት ቅልጡፍ ሕውየት እምነየሉ፡ ነዚ ናይ ፈራሓት ስራሕ ድማ እኹንኖ” ኢሉ።
ጀነራል ስብሓት ኤፍረም፡ በቲ ብዝተተኮሰሉ ጥይት ተሃሪሙ፡ ኣብ ሆስፒታል ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ ንዝለዓለ ሕክምና ካብ ኤርትራ ከም ዝወጸ ይዝረብ ኣሎ።
ቢቢሲ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን።
እቲ ዝተባህለ ናይ ጥይት መጥቃዕቲ ብሓደ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣድቢዩ ዝጸንሐ ሰብ ከም ዝተኻየደን፡ እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ምህላዉ’ውን ይግለጽ ኣሎ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ንኩነታት ጀነራል ስብሓት ዝምልከት ተወሳኺ ርጉጽ ሓበሬታ ኣብ ዝረኸበሉ ከቃልሖ’ዩ።
ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ካብ 1995 ክሳብ 2014 ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ዘገልገለ’ዩ። ኣብ መጀመርታ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ ከም ኣማሓዳሪ ከተማ ኣስመራን ሚኒስተር ጥዕናን ኮይኑ’ውን ሰሪሑ ነይሩ’ዩ።
ስብሓት ኤፍረም ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ፡ ኣባል ፓለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ’ዩ። ንሱ፡ ኣብ 1972 ናብ ህዝባዊ ግንባር ከም ዝተሰለፈ ይንገር።

ቢቢሲ ትግርኛ

21 ታሕሳስ 2018

 

ሰብካ ክሳብ ዝኾነ ሃለዋቱ ምግባር ሰብኣዊ ባህሪ ጥራይ ዘይኮነስ ዘይኮንካ እተተግብሮስ ሓላፍነታዊ ተግባርና ኣውን እዩ። ይጥቀም ኣይጥቐም ድማ ሃገር እውን ስለ ውክል። ንሱ ደሃይ ዝጠፋኡ ሰባት ይገብር ኔሩዶ ኣይገብርን ንዘየገድስ/ ምኽንያቱ ክሳብ ዘይፈለጥናዮን። ምናልባት እውን ካብቶም ዘጥፋኦም ሰባት ንላዕሊ ዝተኸላኸለሎምን ዘድሓኖም፣ ወይ ዘህደሞም ክህልዉ ይኽእሉ ይኾኑ መን ይፈልጥ። ክልተ ገጻት ታሪኽ ክንርኢዕድል ክሳብ ዘይረኸብና ግን ከምዚ ዝተነበበ ጽሑፋት ምዕቃቦም እንታይ ከይብል ኢሉ።

ሳባ ኪዳነ
30/01/2019
ፓሪስ

 

ሰነድ

Saba Kidane ተጻሕፈ-ብ:

ርእይቶ ንምግዳፍ ኣይትቀደሙ

መጽሓፊ ሓሳባትኩም

ኣይትሰከፉ! ኢመይልኩም ኣብዚ ገጽ እዚ ኣይክረኣይን እዩ። Required fields are marked *